ሩስያ ብኣውሮጳ ትኽሰሰሉ ዘላ ሓድሽን ዝተራቐቕን ኣገባብ መጥቃዕታ እንታይ እዩ?

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ጀርመን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ለፕዚግ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ሩስያ'ያ ፈጺማቶ ድሕሪ ምባላ፡ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዓሪጉ'ሎ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ኣሌክሳንደር ዶብሪንት ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "እዚ ብግቡእ ዝተዋደደ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣውሮጳ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ'ዩ" ብምባል፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣውሮጳ ቅሉዕ ኲናት ከይኣተወት፡ ወተሃደራውን ዘይወተሃደራውን ታክቲካት ትጥቀም ምህላዋ ከሲሱ።

ድሕሪ እዚ፡ ጀርመንን ሩስያን ንሓድሕደን ዝነበረን ባህላዊ ማእከላት ክዓጽዋ እንከለዋ፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ቦን ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ቈንስል ሩስያ'ውን ተዓጽዩ ኣሎ።

መዓርፎ ነፈርቲ ለፕዚግ፡ ንሎጂስቲካዊ ቀረባት ዩክረይን ኣብ ምንጥጣፍ ክሰርሕ ምጽንሑ'ዩ ዝግለጽ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ማቲው ዊታከር "[ነዚ መጥቃዕቲ] ዘይቅቡል ምዃኑን ፈጺምና ከምዘይንጻወሮን ምግላጽ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቅሉዕ ወራር ካብ እትጅምር፡ ኣብ ኣውሮጳ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ብተደጋጋሚ ክረአ ምጽንሑ ክኢላታት ይሕብሩ።

ሩስያ ነቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ለፕዚግ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንሳ ከምዘይፈጸመቶ ብምግላጽ ነቲ ብጀርመን ዝቐረበላ ክሲ 'መሰረት ኣልቦ' ኢላቶ ኣላ፤ ብተወሳኺ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብጀርመን ተፈጺሙ ዝተበሃለ መጥቃዕትታት'ውን ኣይወዓልክዎን ኢላቶ ኣላ።

ሩስያ "ኣብ ምዕራባውያን ዘይምስምማዕን ህውከትን' ክህሉ'ያ ትደሊ"

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ብታትስላቫ ዝመደበሩ ቲንክ ታንክ ግሎፕሴክ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ ለካቲት 2022 ክሳብ ለካቲት 2026 ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ሩስያ ኣንጻር ኣውሮጳ ዘካየደቶም 151 ተግባራት ከላሊ ምኽኣሉ ገሊጹ። እቲ ቍጽሪ ግን ካብዚ ኣዝዩ ክልዕል ከምዝኽእል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሩስያ ኣብ ኣውሮጳ ፈጺማቶ ዝብሃል ተግባራት ፈተነ ቅትለት፡ ምብራዕ፡ ምብስባስ፡ ዕንወትን ህዝባዊ ዕግርግር ይርከብዎም።

እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣውሮጳ ፈጺማቶ ዝበሎ ተግባራት ከኣ ኣብ ፖላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ሉትዌንያ፡ ኢስቶንያን ዓባይ ብሪጣንያን ምዃኑ ብምግላጽ "ሩስያ ነተን ተጥቐዐን ሃገራት ዝመረጸትሉ ቀንዲ ረቋሒ በቲ ንዩክረይን ዝህበኦ ደገፋት ዝተማእከለ'ዩ" ይብል።

ኣብ ነሓሰ፡ ብኣገልግሎት መጽናዕቲ ኮንግረስ ኣመሪካ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኤውሮጳ መጥቃዕቲ ብምፍጻማ፡ ኣብ መንገዲ ባቡር፡ ገመዳት ትሕቲ ባሕሪ፡ "ቅትለት፡ ፖለቲካዊ ምትእትታውን ጽልዋን፡ ሳይበር መጥቃዕትን ጥሕሰት ክሊ ኣየርን ካልኦትን" ዝብል ክስታት'ውን ዘርዚሩ ነይሩ።

ኣባል ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ቲንክ ታንክ ሩሲ ዝዀነት ኤሚሊ ፌሪስ፡ ካብ 2022 ጀሚሩ እቲ መጥቃዕትታት እናሰፍሐ ከምዝመጽአ ትዛረብ።

ሞስኮ "ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘይምስምማዕን ህውከትን" ክትፈጥርን "ኔቶ ንዩክረይን ንምድጋፍ ዝወጽኦ ወጻኢታት" ክትውስኽን ትጽዕር ከምዘላን ኤሚሊ ትምጕት።

ማክሲም ቤዝኖሲዩክ ካብ ግሎብሴክ ብወገኑ ሩስያ "ንድልውነት ኔቶ ብውጥረት ክትፍትኖ፡ ኣብ መንጎ መሓዙት ሃገራት ዘሎ ፖለቲካውን ሕጋውን ምፍልላይ ክትምዝምዝን ኮነ ኢላ ዘይርጉጽነት ክትፈጥርን" ጸኒሓ'ያ ይብል።

ቤዝኖሲዩክ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣውሮጳ እትኽተሎ ዘላ ዝተዳቐለ ሜላ ኲናት "እዚ ኣንጻር ኤውሮጳ ዝግበር ዘሎ ብቐንዱ ነቲ ንዩክረይን ዝገብራኦ ዘለዋ ወተሃደራዊ ደገፋት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራዱን ሓደጋኡ ንምንካይን ዝዓለመ'ዩ ዝመስል፡ ብተወሳኺ ኣብተን ሃገራት ፖሎቲካዊ ሓርጎጽጎጽ ንምፍጣርን'ዩ" ይብል።

 እዚ ቀያሕቲ ምልክታት፡ እቲ ሩስያ ወይ ምስ ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎ መጥቃዕትታት ዝተፈጸሞ ከባቢታት'ዩ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ቀያሕቲ ምልክታት፡ እቲ ሩስያ ወይ ምስ ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎ መጥቃዕትታት ዝተፈጸሞ ከባቢታት'ዩ

ክሳዕ ሕጂ እዚ ሩስያ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ፈጺማቶ ትብሃል መጥቃዕትታ መጠናዊ ዕንወት'ዩ ኣውሪዱ ዘሎ፡ ነተን መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ሃገራት ግን ኣብ ምቍጽጻር ጸጥታ ዘይተኣደነ ሰልዲ ከውጽኣ'ዩ ዘገድደን ዘሎ።

ነታ ኔቶ ንዩክረይን ንምድጋፍ ከምዓንዲ ሕቖ ዝጥቀመላ ፖላንድ ከም ኣብነት ምውሳድ ከኣ እኹል'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2025 መንግስቲ ፖላንድ ኣብ መስመራት ባቡር መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ፈጻሚቱ ሩስያ'ያ ብምባል ከሲሱ።

ሩስያ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመቶ ኣብ ግዜኡ ገሊጻ'ያ።

ካብዚ ብምብጋስ ፖላንድ ነቲ ወሰንቲ ዝበለቶ ትሕተ ቅርጽታታት ንምሕላው 10 ሸሕ ዝዀኑ ሰራዊት ኣዋፊራ።

ኣብ ጥሪ ከኣ ንምብራቓዊ ዶባታ ብጸረ ድሮን ንምሕጻር ናይ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ኩንትራት ተፈራሪማ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ከም ብዓል ጀርመን፡ ቤልጂም፡ ዴንማርክ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ሽወደንን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ሃገራት'ውን ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ ማእከላት፡ መዓርፎ ነፈርትን ካልኦት ወሰንቲ ዝብሃሉ ትሕተ ቅርጽን ምስ ሩስያ ምትእስሳር ኣለወን ዝተባሃለ ድሮናት ክዝንብያ ተራእየን'የን።

ብዘይካ እዚ ብኣካል ዝግበር ምዝንባይን መጥቃዕትታትን ድሮናት፡ ሃገራት ኣውሮጳ ንሩስያ ብኻልእ'ውን ይኸሳኣ'የን።

ሃገራት ኣውሮጳ ንሩስያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ፡ ብኤኣ [ኪነታዊ ብልሒ] ዝተዳለወ ትሕዝቶታት ብምዝርጋሕ'ውን ንሩስያ ይኸሳኣ'የን።

ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ ሩስያ ቅድሚ'ቲ ኣብ 2027 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፈረንሳ ንሓያለ ልሉያት ፖለቲከኛታት ዕላማ ናይ ምግባር መደባት ከምዘለዋ ብመጽናዕቲ ከምዝበጽሕዎ ገሊጾም።

ኣብ ጀርመን'ውን ብተመሳሳሊ ቅድሚ እቲ ዞባዊ ምርጫ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያውያን ትካላት ሃገሩ እምነቱ ከምዝልሕልሕ ንምግባር ሩስያ ስኑዕ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ሃቐነታት ተርኢ ከምዘላ ገሊጾም።

ቤዝኖሲዩክ "እቲ መሰረታዊ ዕላማ ኣይተቐየረን፡ ሩስያ ንብዙሓት ድምጾም ዝህቡ ሰባት ምእማን ኣየድልያን'ዩ፡ ነቲ ዝጸንሐ ምፍልላይ ክትምዝምዞ ትኽእል እያ፣ ንሩስያ ዝነቕፉ ፖለቲከኛታት ሽሞም ከተጸልም ትኽእል እያ፣ ፖለቲካዊ ምትፍናን ከተዕብዮ ትኽእል እያ፣ በብቕሩብ ድማ ኣብ ዲሞክራስያውያን ትካላት ዘሎ እምነት ሃደሽደሽ ከምዝብል ክትገብር ትኽእል እያ፡" ይብል።

ኣብ መስከረም 2025 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ንክሊ ኣየር ፖላንድ ድሕሪ ምጥሓሰን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ ጥቓ ፍርስራስ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደው ኢሉ እንከሎ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መስከረም 2025 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ንክሊ ኣየር ፖላንድ ድሕሪ ምጥሓሰን ሓደ ኣባል ፖሊስ ኣብ ጥቓ ዝተሰባበረ ኣካላት ድሮን ደው ኢሉ እንከሎ ይርአ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሩስያ ካብቲ ተጻባኢ ተግባራታ እትርሕቀሉ ሓድሽ መንገድታት ከምዝረኸበት ክኢላታት ይገልጹ።

ሩስያ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር፡ መንግስታት ኤውሮጳ፡ ሩስያ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታታ ንሰለያ ብሰፊሑ ትጥቀመሉ ከምዘላ ደምዲሞም፡ ኣብ ትሕቲ ዲፕሎማስያዊ ሽፋን ዝንቀሳቐሱ መኮንናት ስለያ እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ድማ ኣባሪሮም።

ካብ ሽዑ ጀሚራ፡ ሞስኮ ንኤውሮጳውያን ጸረ ስለያ ስጉምትታት ንምዕጋት፡ ዜጋታት ሳልሳይ ሃገራት ብኢንተርነት ኣብ ምምልማላ ኣዝያ ውጽኢታዊት ምዃና እቶም ክኢላታት ይዛረቡ።

"ድሕሪ ሕጂ ብኤምባሲታት ኣቢሉ ዝኸይድ ኣይኮነን፡ ብኻልእ ኣካል ገይራ'ያ ከተካይዶ" ትብል ፌሪስ።

መብዘሕትኡ ግዜ በቶም ኣብ ክንዲ ብሰነ ሓሳብ ብሰልዲ ትገዝኦም ዜጋታት ካልእ ሃገራት ኣቢላ ስለያዊ መስራሓት ተካይድ ከምዘላ'ያ ፌሪስ ትገልጽ።

እዚ ከኣ ዝዀነ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብቀጥታ ምስ ሩስያ ኣብ ምትእስሳሩ የጸግም ምህላዉ ክኢላታት የረድኡ።

ኣብ ጥሪ፡ ሰብ መዚ ሊትወንያ፡ 'ጂኣርዩ' ዝተበሃለ ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ኣብ 2024 ንሓደ ንረድዩ ርክባት ሰራዊት ንዩክረይን ዘቀላጥፍ ትካል ደብዳብ ንምፍጻም ፈቲኑ ብምባል ከሲሳ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሽዱሽተ ዜጋታት ስጳኛ፡ ኮሎምብያ፡ ኩባ፡ ሩስያን ቤላሩስን ከኣ ተታሒዞም ኣለዉ፡ ነቲ ፈተነ ከምዝውዓልዎ እንተተረጋጊጹ ክሳብ 15 ዓመት ክእሰሩ ከምዝኽእሉ ይግለጽ።

ብመሰረት ካብ ግሎብሴክ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ 95 ሚእታዊት ካብቶም ምስቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝተፈጸመ ምስ ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎ መጥቃዕትታት ዝተተሐዙ 172 ውልቀሰባት ምስ ትካላት ስለያ ሩስያ ምትሕሓዝ ዘይብሎም ተራ ዜጋታት ምዃኖም'ዩ ዝገልጽ።

ፌሪስ ነዚ ከተርድ እንከላ "እዚ እቲ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕትታት ወይ ፈተነታት ካብ ሩስያ ከምዝርሕቕ'ዩ ዝገብር ዘሎ" ትብል።

ቤዝኖሲዩክ ብተወሳኺ፡ ሩስያ ካብቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተነበረላ እገዳ ንምምላጥ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ባንዴራታት ብዝገበራ መራኽብ ነዳዲ ካብን ናብን ከምእተመሓላልፍ'ዩ ዝግልጽ።

ካብ 2024 ጀሚሩ ከኣ ሩስያ ብትሕቲ ባሕሪ ንዝሓልፍ መስመራት ነዳድን ገመዳት ኢንተርኔትን ብስዉራት መራኽብ ገይራ ዕንወት ከምዘብጽሓት'ያ ሩስያ እትኽሰስ።

እንታይከ ክግበር ይከኣል?

ነዳዲ ዝጽዓና መራኽብን ብማዕዶ ዝርኣያ ክልተ ጀላቡን

ምንጪ ስእሊ, Finnbarr Webster/Getty Images

ቤዝኖሲዩክ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ሕብራት ኣውሮጳን ካብቲ ነሱ "ስነ-ቓላዊ ኣፍልጦ" ዝበሎ ስግኣት ሓሊፎም፡ ተግባራት ሩስያ ብኸመይ ከም ዝግለጽን ከም ዝእለ ዝያዳ ንጹራት ክዀኑን ኣለዎም ኢሉ ይኣምን።

ንሱ፡ ተግባራት ሩስያ ከም ተጻባኢ መንግስታዊ ንጥፈታት ክውሰድ ከምዘለዎ ይምጉት፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ዝያዳ ጽኑዕ ገደብ ክግበር ኣለዎ፡ ኣንጻር እተን ብናይ ካልኦት ሃገራት ባንዴራ ዝንቀሳቐሳ መርከባት ሩስያ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ፡ ከምኡ'ውን ቅድሚ ምርጫ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝያዳ ወፍሪ ክግበር ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ኔቶን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ስለያዊ ምትሕብባር የሐይሉ፣ ንወሳኒ መሰረተ ልምዓት ሓለዋ ይውስኹን ኣብ ልዕሊ ምስ ሩስያ ዝተኣሳሰሩ ውልቀሰባት፣ ትካላትን መራኽብን እገዳታት የስፍሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ይኹን እምበር፡ ምትሕውዋስ ስግኣታት እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ተወሳኺ ምውህሃድ ከምዘድሊ ሰበስልጣን ይገልጹ።

ፌሪስ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2018 ኣብ ሳልስበሪ ዓዲ እንግሊዝ፡ ፈተነ ቅትለት ሰላዪ ሩስያ ነበር ሰርጌይ ስክሪፓልን ጓሉን መስ ተፈጸመ፡ ሃገራት ኤውሮጳ "ብሓባር ተኣኪበን፡ ብሓባር ንብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ምስጓገን" ዝተዋደደ ምላሽ ጌርካ ክጥቐስ ዝከኣል'ዩ።

እዚ ስጉምቲ፡ "ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ መርበባት ስለያ ሩስያ ብኣዝዩ ዕዉት መንገዲ ከምዘበላሸዎ" እውን ትዛረብ።

'ሰፊሕ ዘይምርድዳእ'ዩ ዘሎ'

ክልቲኦም ክኢላታት፡ ሩስያ ምስ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ቀጥታዊ ኲናት ክትገብር ከምዘይትድሊ'ዮም ዝኣምኑ።

ፌሪስ፡ ኲናት ምስ ዩክረይን እንተተዛዚሙን ምስ ተዛዘመን፡ ሩስያ ሰራዊታ ዳግማይ ንምውድዳብ ወይ ንምሕዳስ ሓያሎ ዓመታት ከም ዝወስደላ ትሕብር።

ቤዝኖሲዩክ፡ "ዝያዳ ኣእማኒ ተርእዮ" ሩስያ "ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ኔቶ ውሱንን ኮነ ኢልካ ዘይንጹርን ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ምልዕዓል" ምክያዳ'ዩ ይብል።

ይኹን እምበር፡ ክልቲኦም ተንተንቲ፡ ሩስያ እቲ ኣይኵናት ኣይሰላም ዝብሃል ዓይነት ውግእ ክጥቕመሉ ምዃናን ዝያዳ ከምእተሐይሎን ትጽቢት ኣለዎም።

ቤዝኖሲዩክ ሩስያ ክፉት ግጭት ከየበገሰት ንኔቶ ጸቕጢ ንምግባር፡ ስርሒታት ሳይበርን ግጉይ ሓበሬታን ዝኣመሰሉ ሜላታት ብምጥቃም ክሳብ 2027 ኣብ ዘሎ ግዜ ሓያለ ንጥፈታት ክትውስኽ ተኽእሎ ከምዘለዋ ይዛረብ።

"እዞም ስርሒታት ብዙሓ ዋጋ ዘይሓቱ፡ ብቕልጡፍ ንምምልካትን ንምምካትን ኣጸጋምን ዘይተመጣጠነ ምዝንባዕን ፖለቲካዊ ጭንቀትን ከስዕቡ ዝኽእሉን ክሳብ ዝኾኑ፡ ሞስኮ ንኤውሮጳውያን ተቓላዕነትን ቀያሕቲ መስመራትን ክትፍትን ሓያል ድርኺታት ኣለዋ።"

ፌሪስን ቤዝኖሲዩክን ግን ብዘይፍላጥ ምብራኽ ሓደጋ ከምዘሎ የጠንቅቑ።

"ሓደጋታት፡ ሲቪላዊ ጉድኣት፡ ከምኡ'ውን ብፖለቲካዊ ተኣፈፍቲ ዝዀኑ ፍጻመታት፡ ክልቲኦም ወገናት ካብቲ ዝሓስብዎ ንላዕሊ ከቢድ ምዕባለ ከበግሱ ይኽእሉ'ዮም" ይብል ቤዝኖሲዩክ።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ፌሪስ፡ ዋላ'ውን "ዘይተፈተውቲ" እንተኾነ፡ ምስ ሩስያ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ምምሕያሽ ኣገዳሲ ምዃኑ ትምጉት።

ብምስዓብ "እዚ ብዛዕባ ምፍታሕ ግጭት እምበር ብዛዕባ ምህዳእ ኣይኮነን፡ እቲ ዘይምርድዳእን ዝስዕብ ዘሎ ሞት ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ'ዩ" ብምባል ትድምድም።