BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ዩኒቨርሲቲታት ትግራይ 'ዕጡቓት' ካብ ቀጽሪታተን ከውጽኣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣጠንቂቑ
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ቀፅሪታተን "ካብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነፃ" እንተዘይኮይኑ ኣብተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃሮ ከም ዘይምድብ ኣፍሊጡ።
ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ጀሚሩ'ሎ።
ቻይና ምስ ግብጺ ምውጋና ንኢትዮጵያ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ እዩ?
ቻይናን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ማይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ንረብሓ ካይሮ ዘቐድም ሓባራዊ መርገጺ ኣውጺአን። እዚ ድማ ቻይና ካብቲ ዝጸንሓ ናይ ገለልተኝነት ኣካይዳ ወጺኣ ናብ ግብጺ ምዝንባላ ዘርኢ ኰይኑ፡ ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ፈጢሩላ ኣሎ።
ኣፈወርቅ ተክሌ፡ 'እቲ ዘይድገም' እናተባህሉ ኣብ ሃገሮምን ዓለምን ዝዝከሩ ስነጥበበኛ
ኣበርክቶ ኣፈወርቅ ተክሌ ኵሎም ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ንድፈ-ስእሊ፡ ብባህልን ትውፊትን ኢትዮጵያ፡ ብብሄራዊ መንነት ኢትዮጵያ፡ ብኣፍሪቃ-ከተት ሕብረት ዝሓዘሉ ዛዕባታት'ዮም ነይሮም።
ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዳርፉር፡ ግንባራት ኲናት ሱዳን ዘስፋሕፍሓሎም ዘለዉ ከባቢታት
እቲ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ንሱዳን ዘዕኑዋ ዘሎ ኲናት፡ ሎሚ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ካብ ዝዳወብ ክፍለ-ግዝኣት ብሉ ናይል ጀሚሩ፡ ብሰለስተ ክፍለ-ግዝኣታት ኮርዶፋን ኣቢሉ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ ሰፊሕ ዞባ ዳርፉር ዝተዘርግሐ ናይ ውግኣት መስመር ኰይኑ ኣሎ።
ስለምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብመርዘን ይጥቅዓ፡ መፍትሒታቱኸ?
እዚ ንቡር ንጥፈታት ሰባት ዝዓናቕፍ ሕማም፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት፡ ስራሕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ይረአ - ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰለስተ ዕጽፊ ንላዕሊ ብመርዘን ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኣለወን።
ወይዘሪት ዓለም 2026፡ ስኒት ኣብተን ሽዱሽተ ቀዳሞት ተሰሪዓ ዘሕብን ታሪኽ ሰሪሓ
ንኤርትራ ወኪላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ወይዘሪት ዓለም (Miss World) ኣብ ከተማ ንሃ ትራንግ፡ ቬትናም ዝተሳተፈት ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን፤ ኣብቲ ብ5 መስከረም 2026 ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መድረኽ፡ ምስተን ቀዳሞት 6 ብሉጻት ተወዳደርቲ ተረቚሓ፡ ብሚልዮናት ብዝቝጸር ህዝባዊ ደገፍን ብምርጫ ህዝቢን ተሸሊማ ንሃገራ ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ልዕሊ ሓደሕድ መራኽብ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ፈጺመን
ትማሊ ቀዳም ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲታት ኣካይደን። እዚ እቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ተዛማዲ ህድኣት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ዝዝረግ ንደሓር ዝተኻየደ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ እዩ።
ፕሪምየር ሊግ፡ 'እታ ልባ ዝተበንቈሰት ጋንታ' - ዕዳጋ ምስግጋር ከመይ ኣሎ?
ክለባት ፕሪምየር ሊግ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዕዳጋ ምስግጋር ተጻወትቲ ከቢድ ወጻኢታት ብምግባር እየን ዝፍለጣ። ኣብዚ ክረምቲ እዚ ግና ሓያሎ ካብአን ብስትራተጅያዊ መሸጣ ተጻወትተን ሓያል ድምጺ ፈጢረን ኣለዋ።
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ መራሒ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራረቡ
ኣስመራ፡ ምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ደው ኢሉ፡ እቲ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ኣብ መንጐ ሱዳናውያን ብዝግበር ልዝብን ብደገፍ ጐረባብቲ ሃገራትን ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ከምዘለዋ ይፍለጥ።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ መወዳእታኡ ብሓቀኛ ብቕዓቱ ተመሊሱ ድዩ?
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ - እቲ 125 ሚልዮን ፓውንድ ዝወጸሉ ዝኸበረ ኣጥቃዓይ፡ ንኢፕስዊች ታውን ስዕረት ኣስኪሙ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ሊቨርፑል ስሙ ኣንጊሱ። ኮዲ ጋክፖ ብወገኑ ብዘርኣዮ ሰሓቢ ብቕዓት፡ ንሱ ካብታ ክለብ ብዘይምውጽኡ ከም እተምስግን ገይሩዋ ኣምስዩ።
ሕቡራት ሃገራት ንሓቀኛ ስፍሓት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቕ ሓድሽ ካርታ ዓለም ዝሃቦ ውሳነ
ንልዕሊ ሓሙሽተ ክፍለ-ዘመናት ዓለም ክትጥምተሉ ዝጸንሐት ካርታ፡ ንሓቂ ሓቢኡ ዝጸንሐ ምስሊ ድዩ ነይሩ? ሕቡራት ሃገራት ነቲ ንኣፍሪቃ ኣንኢሱ ዘርኢ ካርታ ዓለም ክቕይሮ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን፡ ኣመሪካ ንበይና ተቓዊማቶ።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን።ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኣብ ሸላታት ሞት ስዑዲ ዓረብ ተስፋ ዝቘረጹ ኢትዮጵያውያን ናብ ቢቢሲ ደዊሎም
ዓሰርተታት ኢትዮጵያውያን ፍርዲ ሞት ይጽበዩ ኣለዉ - ገለ ካብኣቶም ዛንታኦም ንምንጋር ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ደዊሎም ዛንታኦም ነጊሮም ኣለዉ። እቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ካብታ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፍርዲ ሞቱ ዝጽበየላ ጸባብ ክፍሊ ማእሰርቲ ብተሌፎን ናብ ቢቢሲ ክድውል ዕድል ምስረኸበ፡ ኣብ ድምጹ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ይስማዕ ነይሩ።
ኤርትራ፡ ንመምርሒ ባጤራ ዝሰዓበ ሻቕሎትን ቅልውላውን ዕዳጋታት
ድሕሪ'ቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ቍጠባዊ ኵነታት ይዅን ነቲ መምርሒ ዝሰዓበ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዕድጋታት እንታይ ይመስል? ህዝቢኸ ብኸመይ ይቃለሶ ኣሎ? ኣብ ዝብል ኣተኵርና ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ንገዛእ-ርእስኻ ምስሓቕ፡ መዓስ እዩ ጠቓሚ፡ መዓስከ ጐዳኢ?
ንገዛእ-ርእስኻ ምስሓቕ፡ ሓደ ግዜ ንጥዕና ኣእምሮ መሐከሚ፡ ካልእ ግዜ ድማ ምልክት ስዉር ጭንቀት ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ንገዛእ-ርእስኻ ናይ ምሽካዕ ዋዛ መዓስ እዩ ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ዝዓዝዝ? ተመራመርቲ ነቲ ኣብ መንጎ ዋዛን ርእሰ-ምጕዳእን ዘሎ ቀጢን መስመር የመልክቱ ኣለዉ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ብዘይ ደወል ብኸመይ ካብ ድቃስኩም ክትነቕሑ ትኽእሉ?
ንመብዛሕትና፡ ካብ ድቃስና ንምልዓል፡ ኣብ ደወል ፅግዕተኛ ምዃን ኣካል መዓልታዊ ህይወትና ኰይኑ እዩ። ብዘይደወል ካብ ድቃስኩም ምልዓል ገዛእ ርእስኹም ክትምህሩ ትኽእሉዶ?
ተወዳዳሪት ወይዘሪት ዓለም ኤርትራ ብኸመይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ድምጺ ሓሊፋ
ኣብ ሚስ ዎርልድ 2026 ንኤርትራ ወኪላ እትወዳደር ዘላ ስኒት ሃብተኣብ ተወልደመድህን ኣብቲ ውድድር ሽዱሽተ ሚልዮን ድምጺ ህዝቢ ብምርካብ ካብ ዓለምን ኣፍሪቃን ዝለዓለ ድምጺ ኣመዝጊባ ብዝለዓለ ብቕዓት ትመርሕ ኣላ።እዚ ዓወት ግን ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ፣ ስለምንታይከ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ?
ካብ ሆርሙዝ ክሳብ ዓደን፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከመይ ኣሐይልዎም?
ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝካየድ ንግዳዊ መራኽብ ናይ ምዝራፍ ተግባራት ብርኡይ ወሲኹ። እዚ፡ ነቲ ድሮ ብሰንኪ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ዘሎ ጕዕዞታት ባሕሪ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።
'ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ'፡ ኣንጻር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ተላዒሉ ዘሎ ሕጋዊ ማዕበል
"ተግባራት ኢንፋንቲኖ ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ እዩ"፣ "ዝተሰከሞ ሓላፍነት ብምጥላም ዝፈጸሞ ዓቢ ክድዓት"፣ "ንጥቕሚ ገዛእ ርእሱ ክብል ዝፈጠሮ፡ ካብ ልዝብ ወጻኢ ዝዀነ ስምምዕ።"
ምስሕሓብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንመትረብ ፓናማ ብኸመይ መድረኽ ግጭት ሓያላት ሃገራት ገይሩዎ?
እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ቀጻሊ ኰይኑ ዘሎ ኲናት ኢራን፡ ንሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ማይ ዓለም ኣብ ዝዘርገሉ ዘሎ እዋን፡ ብኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቑ ዝርከብ ካልእ ስትራተጅያዊ ጸቢብ መስመር - መትረብ ፓናማ - ሓድሽ መድረኽ ጅኦፖለቲካዊ ምስሕሓብ ገይሩዎ ኣሎ።
ውዕል መካ፡ ቱርኪ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን 'ኣስላማዊ ኔቶ' ክፈጥራ ይኽእላ ድየን?
ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ነቲ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ "ውዕል ሱኒ" ወይ'ውን "ኣስላማዊ ኔቶ" ኢሎም ዝጽውዕዎ ናይ ሓባር ናይ ምክልኻል ስምምዕ 'ውዕል መካ' ካብ ዝፈርማ ልዕሊ ሰሙን ኰይኑ ኣሎ። ገሊኦም ድማ ንከም በዓል ኢራንን እስራኤልን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ናይ ምምካት ይብሉ፣ ገለ ድማ እተን ሃገራት ኣብ ኣመሪካ ዘለወን ጽግዕተኛነት ንምንካይ ዘለወን ድሌት ዘንጸባርቕ እዩ ይብሉ።
ሓንቲ ፖስት ማሕበራዊ ሚድያ ብኸመይ ሊብያ ኣብ ዝርከቡ ስደተኛታት ማዕበል ወረ-ሓሶትን ዕግርግርን ኣበጊሳ?
ብ 3 ሰነ 2026፡ ሓደ ግብጻዊ ሕሳብ መርበብ ኤክስ (X) "ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 850,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከል ህዝቢ ሊብያ ይሰፍሩ ከም ዘለዉ ብትብዓት ኣፍሊጡ" ዝብል ጽሑፍ ዘርጊሑ፤ እዚ ሓበሬታ ግና ፈጺሙ ሓሶት እዩ ነይሩ። ቢቢሲ ኣብ ሰነ ዝወጹ ኣማኢት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ፖስትታት ብምድህሳስ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ እዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ሊብያ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ብሓደ ግዜ ከም ዝተዘርግሐ ከምኡ'ውን ብሓገዝ ሓቀኛታት ዘይመስሉ ሰፊሕ መርበብ ሕሳባት ብዝያዳ ከም ዝጐልሐ ኣረጋጊጹ።
ፓስፖርት ዝሓዙ ኣናፁን ብዛዕባ ቲቢ ዝመራመር ኢትዮጵያዊን
እዞም ኣናፁ፡ ሕማም ቲቢ (TB) ዘለዎም ሰባት ንምፍላይ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅምሶታት ብምጭናው መርሚሮም እዮም። በዚ ድማ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ከይተጠቕዑ ንምድሓን ኣኽኢሎም ኣለዉ።
ጣሊባን ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ስልጣን፡ ዓለም ንኣፍጋኒስታን ረሲዓታ ድያ?
ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ዳግማይ ካብ ዝቈጻጸሩ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ መምርሒታትን ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮን ትርከብ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ትግራይ፡ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪታት ሰላም እንታይ ይመስል?
ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኖርወይን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን 22 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዘተ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝድግፋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኤርትራ ምስታ ኣብ ገማግም የመን ብቀርሰንቲ ዝተጨውየት መርከብ ምትእስሳር ከምዘይብላ ገሊጻ
ሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ወይ ቀርሰንቲ ኣብ ጥቓ ገምገም ባሕሪ የመን ሓንቲ ፍርያት ነዳዲ እትጽዕን መርከብ ከም ዝጨወዩ ትካል ንግዳዊ ስርሒታት ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኤ-ኤፍ-ፒን ሮይተርስን ጸብጺቦም ነይሮም።
ትግራይ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ምብጻሕ ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝሃበቶ መግለጺ
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦሊሰንጉን ኦባሳንጆ፡ ብሰኑይ 24 ነሓሰ 2026 (ኣ.ኤ)፡ ናብ ትግራይ 'ወግዓዊ ዘይኰነ' ምብጻሕ ከም ዝገበረን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ከም ዝተዘራረበን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ትግራይ፡ 'ኵሉ ነገር ስለ ዝተሓጽረ፡ ወስወስ ኢልና'ውን ንረኽቦ ነገር የለን'
ኣብዚ እዋን፡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዞባታት ትግራይ ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዐን ምህላወን ይግለጽ፤ ከም ሳዕቤኑ፡ ሓረስቶት ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣማኻሪ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዘካየዶ ርክባት 'ጸረ-ኢትዮጵያ' ከም ዘይኰነ ገሊጹ
እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ "ዘይግባእ ትርጕምን መልክዕን ተዋሂቡዎ" ከም ዝተቓልሐ ገሊጹ።
ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዝስኣነትሉ መገዲ ኣመልኪቱ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ነዚ ጉዳይ ከልዕሎ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ ብ2024 ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ኣካታዒ ሰነድ ምርድዳእ ካብ እትፍርም ንድሓር ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርአ ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ዘጋደደ ጕዳይ ኰይኑ መጺኡ'ዩ።
'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት
ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።
ትግራይ፡ በቲ ግዱድ ኣዋጅ ዕስክርና ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሕጊታትን መሰላትን
ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኪኡ፡ ስልጣን ዝተቘፃፀረ ኣካል- ነባር ክልላዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ሰነድ፡ 24 ግንቦት 2018 [ግ] ከም ዘፅደቘ ዝተገልፀ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ወራር ህልውና ንምምካት ዝዓለመ ከም ዝዀነ እዩ ዝምጉት። መስራትን ምክትል ዳይሬክተርን ትካል 'ሁይማን ራይትስ -ፈረስት ኢትዮጵያ' ፡ በዓል-ሞያ ሕጊ ኣይተ መብርሂ ብርሃነ፡ ነቲ ኣዋጅ ዝተቓወመሉ ምኽንያት ኣብሪሁ'ሎ።
27 በረራታት 24 ግጥማት፡ ፕረዚደንት ፊፋ ብኸመይ ኣረኻኺቡሉ ሳዕቤናቱኸ?
ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ኣብ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየዱ 24 ግጥማት ተረኺቡ።
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)






![ፌቨን ገብረእግዝኣብሄር [ፌቨን ማርኮ] ኣብ ቁኖን ስነ ጽባቐን ኢላ ብምጅማር፡ ነቲ ሞያ ብደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምዕባይ ኣብ ካምፓላ ብስነ ጽባቐ ኣብ 17 ዙርያታት ብኣማኢት ዝቁጸራን ዝቁጸሩን ሰብ ሞያ ኣፍሪያ ኣላ፡ ፌቨን ኣብዚ ከይተሓጸረት ኣብ ኣስታት 15 ፊልምታት'ውን ከም ሜክ ኣፕ ኣርቲስት ብምዃን ሰሪሓ እያ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/ebe4/live/289933b0-9b94-11f1-a291-b542ee92de7c.png.webp)















![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/7b12/live/e9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp)



































