ኬንያ፡ ኣማኢት ብሩንዳያውያን ካብታ ሃገር ንምውጻእ ይጓየዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ኣማኢት ዜጋታት ብሩንዲ፡ እቲ መንግስቲ ፍቓድ ንዘይብሎም ኣብ ንኣሽቱ ንግዲ ንዝነጥፉ ወጻእተኛታት ዝገብሮ ስጕምቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ናይ ጕዕዞ ሰነዳት ንምድላው ይጓየዩ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ እቶም ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ነቲ ንዜጋታት ኬንያ ጥራይ ዝተሓዝአ ንኡስ ዕዮታት ካብ ሰኑይ ደው ከብሉ ገደብ ምንባሩ ይፍለጥ።
ምኒስትሪ ንግዲ ኬንያ፡ ገለ ወጻእተኛታት ብቪዛ ወፍሪ ወይ ምብጻሕ ኣትዮም፡ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ንኣሽቱ ዕዮታት ይነጥፉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት፡ ሓያሎ ብሩንዳውያን ናብ ዓዶም ንምምላስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሃገሮም ተሰሪዖም ህጹጽ ሰነዳት ጕዕዞ ክረኽቡ ይጽዕሩ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ ንብረቶም ብምዕሻግ ትኬት ኣውቶቡስ ንምዕዳግ ኣብ ታህዋኽ ይርከቡ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሩንዲ ኤድዋርድ ቢዚማና፡ ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ዜጋታቶም ንዝዀነ መጥቃዕቲ ክቃልዑ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቑ። ኬንያ ንድሕነት ዜጋታት ብሩንዲ ተሓታቲት ምዃና ዝገለጸ እቲ ምኒስተር፡ ፕረዚደንት ሩቶ ብወገኑ፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ፡ ዕድል ዕዮ ክፈጥሩ እምበር ኣብ ንኣሽቱ ንግድታት ክዋፈሩን ምስ ኬንያውያን ክወዳደሩ ከም ዘይግባእ ገሊጹ።
እዚ ሓድሽ ስጕምቲ ጽልኢ ወጻእተኛታት ከይቅስቅስ ስግኣት ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ገለ ሰበ-ስልጣን ኬንያ ግን ሕጋዊ ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ወጻእተኛታት ዕዮታቶም ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ገሊጾም ኣለዉ።
እዚ ኵነታት’ዚ፡ ዜጋታት ኬንያ እውን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ዕዮታት ዝሰርሑ ብምዃኖም፡ ኣብቲ ዞባዊ ምትእስሳር ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።


























