ኢትዮጵያ፡ ጠንቂ ግጭት ኦሮሞን ሶማሊን ኣብ ሞያለ እንታይ'ዩ?

በቲ ግጭት ዝተቃጸለ ገዛ
Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ ከተማ ሞያሌ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ሶማልያን ኦሮሞን ዘጋጠመ ግጭት ሞት ሓያለ ሰብን ዕንወት ንብረትን ከምዘስዓበ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ግጭት ናብ ኬንያ ሃዲሞም ኣለዉ።

ሕጂ እቲ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣቁጺሩ ኣሎ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ይኹን መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብታ ከተማ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን እኹል ሓይሊ ጸጥታ ከምዘየዋፈሩ ነበርቲ ከተማ ሞያሌ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኬንያ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተመዛበሉ ሰባት ሓገዛት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንምንታይ ኣብ ጸገም ዜጋታቶም ኣመልኪቶም ስቕ ከምዝበሉ ነበርቲ ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ።

መንቐሊ እቲ ግጭት እንታይ'ዩ?

ኣብታ ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ፡ ካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልያን ዘጋጠመ ሞት፣ ምምዝባል ሰባትን ዕንወት ንብረትን ዘስዓብ ግጭት ኣብ ዝምልከት ተጋራጫዊ ጸብጻባት'ዩ ዝወጽእ ዘሎ።

ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ነበርቲ፡ እቲ ናዕቢ ባንዴራ ክልል ሶማል ኣብቲ ክልል ኦሮምያ ናተይ'ዩ እትብሎ ከባቢ ምስ ተተኸለት ከምዝተወለዐ ይሕብሩ።

ነባሪ ሞያለ ኣቶ ሞሉ፡ ሓንቲ ጃታኒ ኣጋ ዝተባህለት መንእሰይ ኦሮሞ፡ ምትካል እታ ባንዴራ ብምቕዋማ ከምዝተቐተለት ይሕብር። ብድሕሪ'ዚ መንእሰያት ኢሮሞ ነዚ ብምቕዋም ናዕቢ ምጅማሮም እዚ ነባሪ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ሞሉ እቲ ተቓውሞ ድሒሩ ብረት ከምዝተሓወሶ መስኪሩ።

ነበርቲ እቲ ካበቢ ባንዴራ ክልል ሶማልያ ቅድሚ ኣብቲ ቦታ ምስቃላ፡ ኣብ ሞንጎኦም ዝዀነ ጸገም ከምዘይነበሮም'ዩ እዚ ናባሪ ዝገልጽ።

ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ካልኦት ሰለስተ ነበርቲ'ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ሂቦሙና።

ከንቲባ ከተማ ሞያሌ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ጋልማ ኮሮፊቻ፡ በቲ ዝተወለዐ ግጭት ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ ካብ ክልል ሶማል ዝመጹ ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ወጥሪ ኣብ ምግዳድ ኣበርክቶ ኣለዎም ብምባል ከሲሱ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ንነዊሕ እዋን ብጕርብትና ንሓድሕዶም እናተሓላለዩ ጥቡቕ ማሕበራውን ስድራቤታውን ምትእስሳር ዘለዎም ማሕበረሰባት ኦሮሞን ሶማልያን ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ።

እቲ ጎንጺ ኣብ ዝተወልዐሉ መዓልቲ፡ ኩነታት ጸጥታ እታ ከተማ እናተዓዘበ እንከሎ ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደሉ'ውን እቲ ከንተባ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ከንቲባ ከተማ ሞያሌ ክልል ሶማል ኣቶ ኩላ ዓሊ ዓብዲራሕማን፡ እቲ ዓመጽ ብሰንኪ ምስቃል ባንዴራ ክልል ሶማል ዝነቐለ ምዃኑ ገሊጹ።

"ሰላም ኣብ ዝነበርናሉን ባእሲ ኣብ ዘይነበረሉን እዋን፡ ንግሆ ምስ ተበራበርና ንነብስና ኣብ ማእከል ኵናት ረኺብናያ። እቲ ግጭት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ከተማ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ስለዝኸፈትና'ዩ ጀሚሩ" ኢሉ።

ከንቲባ ኩላ ዓሊ ዓብዲራሕማን "ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ክልል ሶማል ሓዲሽ ቅርጺ ምምሕዳር ከተማታትን ዞባታትን ኣተኣታቲና ኔርና፡ ካብ ቀረባ እዋን ኣትሒዞም ግን ነቲ ኣንጻር እቲ ኣብ ሞያለ ዘሎ ክልተ ምምሕዳራት ዝዓለመ ወፍሪ ጀሚሮም" ክብል ወሲኹ።

ባንዴራ ክልል ሶማል ኣቐድም ኣቢላ ኣብቲ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ተንበልብል ምንባራ ብምሕባር፡ እዚ ናይ ሕጂ ተቓውሞ ነዚ ሓዲሽ ምምሕዳዊ ቤት ጽሕፈት ዝዓለመ ከምዝነበረ ተማጒቱ።

"ኣብኡ ባንዴራና ክንተክል ንመጀመርታ ግዜ ኣይነበረን" ብምባል "ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ተኸፊተን እየን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ድማ ባንዴራ ተሰቒላ ኣላ። ንሳቶም [ኦሮሞ] ነዚ'ዮም ዝቓወሙ ዘለዉ'' ኢሉ።

ከተማ ሞያለ ኣብ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን እትርከብ ከተማ'ያ

ነበርቲ ሞያሌ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጽዑቕ ውግእ ንመዓልታት ከምዝቐጸለ ይገልጹ።

ገሊኦም ድማ እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ኣጽዋር ብምርኣይ፡ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ማሕበረሰባትን ጓሶትን ወጻኢ ካልኦት ግቡእ ወተሃደራዊ ተዓሊም ዝወሰዱ ይሳተፍዎ ምህላዎም ሓቢሮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓያሎ ነበርቲ፡ እቲ ናብ ማሕበረሰቦም ዝቐንዐ ቶኽሲ፡ ከበድቲ ኣጽዋር ካብ ዝጥቀሙ ምዕቡል ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰዱ ውልቀሰባት ዝመጸአ ከምዝመስል ገሊጾም።

ከንቲባ ሞሉ "እቶም ዝቃለሱና ዘለዉ ሰባት ጓሶት ሶማላውያን ጥራይ ኣይኮኑን። ካልኦት ተዋሳእቲ እውን ይሳተፉ ኣለዉ ኢልና ንኣምን" ይብል።

ካብ ርሑቕ ዝተተኮሰ ከበድቲ ኣጽዋር ርኡይ ክሳራ ከምዝውረደ'ውን ይሕብር።

ነበርቲ ከኣ ኣብ ከባቢታት ዶብ ኮይኖም ውሱን ኣጽዋር ተጠቒሞም ንነብሶም ክከላኸሉ ከምዝጸንሑ ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ምስ ከንቲባ ሞሉ ብቴለፎን ቃለ መሕተት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ነይሩ።

ነበርቲ'ውን ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ዝተወለዐ ግጭት ንምፍታሕ ኢዱ ዘይምእታዉ ዘለዎም ሕርቃን ገሊጾም።

ክሳብ ሕጂ ሰላም ንምንጋስ ብመንግስቲ ዝተዋፈረ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ከምዘየለ'ዩ ዝፍለጥ።

ከንቲባ ሞሉ፡ እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ እቲ ሞት ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ብምስዓብ፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን ብዘይ መግቢን ከምዝተረፉን ገሊጹ።

"ገለ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ናብ ኬንያ ይሃድሙ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ብጥምየት ይሳቐዩ ኣለዉ። እቶም ዝቖሰሉ ሕክምናዊ ረድኤት ኣይረኸቡን። ብዝሒ ዝሞቱ ድማ ልዑል'ዩ" ኢሉ።

ነበርቲ፡ ዕጡቓት እቲ ከባቢ ካብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ መጺኡ ኢሎም ዝኣመኑዎ መንእሰይ ከምዝማረኹ ይገልጽ።

እቲ ውልቀ ሰብ ካብ ትግራይ ምዃኑ ዘመልክት መንነት ወረቐት ሒዙ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብሶማላውያን ተቖጺሩ ደሞዝ ስለዝተኸፍሎ ክቃለስ ከምዝመጸ ነቶም ዝማረኽዎ ምዝራቡ ኣቶ ሞሉ ኣረዲኡ።

ቢቢሲ ነቲ ዘዛርብ ዘሎ ውልቀሰብን ወረቐት መንነቱን ብቪድዮ ክርእዮ ክኢሉ'ዩ። ይኹን እምበር ሓቅነት ናይቲ ሰነዳት ይኹን እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

እቶም ነቲ ሰብኣይ ዝሓዝዎ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዝጸንሐ ገሊጾም። ቢቢሲ ዝረኣዮ ስእልታት፡ ሓደ ውልቀሰብ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑን ካላሽኒኮቭ ሒዙን እንከሎ'ዩ ዝርአ።

ከንቲባ ሞሉ ብተወሳኺ ኣብቲ ውግእ ዝተቐትለ ካልእ ዕጡቕ ከምዝነበረን ካብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ ኢትዮጵያ ከምዝመጸን ይኸስስ።

ካብቲ ከባቢ ወጻኢ ዝመጹ ውልቀሰባት ኣብቲ ግጭት ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ብዝምልከት ካብ ሰበስልጣን ዞባ ሶማል ብቕጽበት ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

እቲ ግጭት እናበርተዐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፡ ነበርቲ ካብ ደገፍቲ ክልቲኡ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ነድሪ ዝፈጥር ትሕዝቶ ነቲ ግጭት ኣብ ምግዳድ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ የጠንቅቑ።

መንግስቲ ክልል ሶማሊኸ እንታይ ይብል?

ከንቲባ ብወገን ሶማል ሞያሌ ኩላ ዓሊ ዓብዲራሕማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ክልል ሶማል ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ምምሕዳራዊ መሓውር ወረዳታትን ቀበሌታትን ኣተኣታትዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ሰብመዚ ከም ኣካል ናይቲ መስርሕ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ምስ ከፈቱ ተቓውሞ ከምዝተቐልቀለ ገሊጹ።

ሞያሌ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብክልላት ኦሮምያን ሶማልን ብሓባር ዝመሓደር ኮይኑ፡ እታ ከተማ በቲ ንምብራቕን ንምዕራብን ዝኸፍላ ጽርግያ እያ እትምቐል።

ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ከተማ ምምሕዳር ሶማል ከም ዘመሓድሮ፡ ንሸነኽ ምዕራብ ድማ ብመንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ከም ዝመሓደር ኣረዲኡ።

ገለ ተቓወምቲ ሞያለ ብኽልተ ክልላዊ መንግስታት ትመሓደር ዝብል ሓሳብ ብምንጻግ ኣብ ክንድኡ እታ ከተማ ብምልእታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኦሮሚያ ትእቶ ብምባል ተሪር ተቓውሞታት ከምዘስምዑ እቲ ከንቲባ ገሊጹ።

ከተማ ሞያለ ንዝሓለፈ ልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ብተመሳሳሊ ብክልተ ክልላት ክትመሓደር ከምዝጸንሐት ብምግላጽ፡ ኣንጻር እቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ተቓውሞታት ምስተወደበ ወጥሪ ከምዝተጋደደ ገሊጹ።

ኩላ ዓሊ ብተወሳኺ ሰልፈኛታት ሞት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ኣብ መጓዓዝያ ፣ ኤሌክትሪክን ቀረብ ማይን ሓዊሱ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ምዝባዕ ብምስዓብ ከሲሱ።

ብወገን ኦሮምያ ዘለዉ ነበርትን ሰበስልጣንን ግና ነዚ ክሲ ይነጽግዎ።

ክልላዊ መንግስቲ ሶማል ናብ ዶብ ኦሮምያ ሰጊሩ ባንዴራ ክልል ሶማል ብምትካሉን ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወመት መንእሰይ ድሕሪ ምቕታላን እቲ ግጭት ከምዝተወለዐ'ዮም ብወገን ኦሮምያ ዘለዉ ሰብ መዝን ነበርትን ዝገልጹ።

ብዛዕባ ጠንቂ ግጭት ዝተበሃለ ሓዲሽ ምምሕዳራዊ ቅርጺ እንታይ ንፈልጥ?

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፈ መሓመድ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብክልል ሶማል ኢትዮጵያ ዝተኣታተወ ሓዱሽ ምምሕዳራዊ ዳግመ ውደባ ነዚ ሞያሌ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከም ቀንዲ መከራኸሪ ነጥቢ ኮይኑ ዳግማይ ተቐልቂሉ ኣሎ።

ኣብ 2025 ክልላዊ መንግስቲ ሶማል 14 ሓደስቲ ወረዳታት ከምዝመስረተ ብምግላጹ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዝርከባ ወረዳታት ካብ 95 ናብ 109 ክብ ምብለን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እዋን፡ ሰበስልጣን ፡ እቲ ለውጢ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምምሕያሽን፡ ንነዊሕ እዋን ካብ ደረጃ ወረዳ ኣገልግሎት ዝደልዩ ማሕበረሰባት ጠለባቶም ብቀረባ ንምምላስን ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም።

እቲ ዳግመ ውደባ ግና ኣብ ሞያሌን ያቤሎን ሓዊሱ ኣብ ገለ ክፋል ጎረቤት ክልል ኦሮምያ ተቓውሞታት ኣጋጢምዎ።

ነቐፍቲ፡ ገለ ካብተን ሓደስቲ ዝተመስረታ ምምሕዳራት፡ ኣካል ኦሮምያ ንዝኾነ ከባቢታት'ውን ኣብ ውሽጠን ከምዘእተዋ'ዮም ዝምጉቱ።

ሰበስልጣን ክልል ሶማል ነዚ ኣበሃህላታት ብምንጻግ፡ እተን ሓደስቲ ወረዳታት ንከባብያዊ ምምሕዳራዊ ድሌታት ንምምላስ ዝተፈጥራ ኮይነን፡ ካብ ክልል ኦሮምያ መሬት ዝሓወሰ ወይ ዝወሰደ የለን'ዮም ዝብሉ።

እዚ ለውጢ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ዝተገብረ ምምሕዳራዊ ጽገናታት ስዒቡ ዝመጸ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ስልጣኑ ዞባ ሊባን ኣብ ዞባታት ሊባንን ዳዋን ተኸፋፊሉ ክልተ ዞባታት ከምዝኸውን'ዩ ዀይኑ።

ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሙስጠፌ መሓመድ'ውን ካልኦት ምምሕዳራዊ ወረዳታት ከምዝተመስረታ ኣፍሊጡ።

ድሒራ ከኣ ዞባ ዳዋ እንደገና ናብ ክልተ ዞባታት መቒሎማ።

ስም ናይተን ዝተጣየሳ ዞባተት ኣብቲ እዋን ኣይተጠቕሰን ነይሩ። ሰበስልጣን ሶማልያ ግን ዞባ ዳዋ ናብ ክልተ ዞባታት ምምቓላ ሓቂ ምዃኑ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ እዋን፡ ገለ ነበርቲ ሞያለ፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሓደሽቲ ምምሕዳራዊ መሓውራት ኣብ ከተማ ሞያለ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታኦም ገሊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኣብቲ ግዜ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃበን።

ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ጉዳይ ዓይኒ ኣንቊሑ ጠንቂ ሞትን ምምዝባል ሰባትን ዕንወት ንብረተን ኰይኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምንታይ ስቕታ መሪጹ?

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሽርካ ዘጋጠመ ቅትለት ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ፤ ኣብ ሞያሌ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ኣመልኪቱ ግን ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃበን።

ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ሞያሌ ዳርጋ ኩሉ ኣገልግሎታት ከምዝተዓናቐፈን፡ ካብታ ከተማ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቓስ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎን ገሊጾም።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ይኹን መንግስቲ ፌደራል ሰላም ንምውሓስ ሓይልታት ጸጥታ ከዋፍሩ ብዘይምኽኣሎም'ውን ነበርቲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው።

ቢቢሲ ካብ ሚኒስትሪ ሰላም ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስትን ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ'ውን ነቲ መንግስቲ ኣብ ሞያሌ ዘሎ ኩነታት ርእዩ ከምዘይርኣየ ስቕ ምባሉ ብትሪ ነቊፉ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ሱሌማን ደደፎ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፉ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ኦሮሞን ጋሪሳን፡ ወይ ድማ ብሰፊሑ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ሶማላውያንን ዘሎ ምስሕሓብ ጌርካ ክረአ የብሉን ክብል ተማጒቱ።

ነቲ ግጭት ከም ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ዝፍጸም ግጭት ጌሮም ንምስኣልን ኣብ መላእ ዞባ ንምዝርጋሕን መንነቶም ዘይተፈልጡ ተዋሳእቲ ጻዕርታት ይግብሩ ምህላዎም'ውን ከሲሱ።

ኣምባሳደርሱሌማን ደደፎ ብተወሳኺ፡ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ምብራኽ ወጥሪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ብምግላጽ፡ ዓሌታት ሶማልያ ናብቲ ግጭት ክጽንበሩ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ጻውዒት ይግበር ከምዘሎ ይኸስስ።

ብዘይካ'ዚ፡ ምስ ህወሓት ምትእስሳር ዘለዎም ሰለስተ ውልቀሰባት፡ እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ብኬንያ ኣቢሎም ናብ ሞያለ ከምዝኣተዉ'ኳ እንተገለጸ፡ መንነቶም ገና ኣይጠቐሰን።

ከም ኣገላልጻ ሱሌማን፡ እቲ ዕላማ ነቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ግጭት ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጹ ንምስፋሕን፡ እንተተኻኢሉ ድማ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት ኦሮምያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ነዳዲ ምውሳኽ ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።

እቲ ኣምባሳደር ምምሕዳራት ክልል ኦሮምያን ሶማልን ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ብሓባር ክሰርሑ ብምጽዋዕ፡ ማሕበረሰባት በቲ ግጭት ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ንምልላይን ተሓተትቲ ንምግባርን ዝግበር ጻዕሪ ክድግፉ ኣተሓሳሲቡ።

ገለ ክፋል ከተማ ሞያለ ዘርኢ ስእሊ

ተንታኒ ፖለቲካ ጃዋር መሓመድ፡ እቲ ኣብ ሞያለ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ካብ ካልኦት ከባቦታት ካብ ዝረርኣዩ ከባብያዊ ዶባዊ ግጭታት ዝተፈልየ ምዃኑን ኪኖ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ከኸይድ ከምዝኽእልን ይዛረብ።

ብዛዕባ እቲ ግጭት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ቦራናን ጋሪን ከም ዘጋጠመ ጥራይ ክረአ የብሉን ክብል ተማጒቱ።

"ጋሪን ቦራናን ሓደ ህዝቢ እዮም። ኣሕዋት እዮም። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘይምርድዳእ ክኽሰት ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን ክልቲኦም ማሕበረሰባት ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ እኳ እንተኾኑ፡ ናብ ተደጋጋሚ ዕጥቃዊ ግጭት ምብራኽ ብዓቢኡ ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝተራእየ ተርእዮ'ዩ" ይብል።

ጃዋር፡ "ኣብ ዘመነ ደርጊ፡ ሰበስልጣን ሓደ ሕብረተሰብ ኣንጻር እቲ ካልእ ንኽዓል ይጽዕሩ ነይሮም'ዮም፡ እዚ ድማ ምስ ግዜ ሱር ዝሰደደ ወጥሪ ንክፍጠር ኣበርክቶ ገይሩ" ክብል ይገልጽ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ማሕበረሰባት ዋላ እኳ ጥቡቕ ማሕበራውን ታሪኻውን ምትእስሳር እንተሃለወ ገለ ተዋሳእቲ ነቲ ንኡስ ፍልልይ ከምዝመዝመዝዎ'ዩ ዝኣምን።

ኣብ 2004 ዓ.ም ብክልል ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ማሕበረሰባት ቦራናን ጋሪን ዘሳተፈ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ረፈረንደም ተኻይዱ።

ይኹን እምበር፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ሞትን ዕንወት ንብረትን ዘስዓብ ተደጋጋሚ ጎንጽታት ክረአ ጸኒሑ።

ጃዋር ቅድሚ ሕጂ ባህርያት ናይቲ ግጭት ብዝበለጸ ንምርዳእ ካብ ሞያለ ናብ ቦርዶደ ከምዝተጓዕዘ ብምግላጽ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዓመጽ ካብ ክልተ ረቛሒታት ሓደ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምን።

"እቶም ካብ ከምዚ ዓይነት ግጭት ዝያዳ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ወይ ተዋሳእቲ ጸጥታ መንግስቲ ወይ ድማ ኣብ ንግዲ ኮንትሮባንድ ዝነጥፉ'ዮም" ኢሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጃዋር፡ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ኬንያን ሰፋሕቲ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይካየድ'ዩ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ዝሓየለ ምላሽ ዘይምሃቡ ብምንቃፍ፡ ሰብመዚ ነቲ ጎንጺ ንምግታእ ብዝቐልጠፈ ጣልቃ ክኣትዉ ነይርዎም ኢሉ።

ሰብመዚ ኬንያን ትካላት ረድኤትን፡ ካብቲ ኣብ ግጭት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝሃድሙ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኬንያ ከምዝሰገሩ ይገልጹ።

ኣስታት 40 ሽሕ ሰባት ናብ ኬንያ ከምዝሰገሩ ሰበስልጣን ይግምቱ።

ኣስታት 15 ሽሕ ሰባት ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ክዕቖቡ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ብማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ተዓቚቦም ኣለዉ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ እቶም ተመዛበልቲ መግቢ፡ መጽለልን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ከምዘድልዮም ይገልጹ።

ቀይሕ መስቀል ኬንያ ንኣስታት 1000 ስድራቤታት ሓገዝ መግቢ ከምዝገበረ ክገልጽ እንከሎ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ'ውን ሓገዝ መግቢ ሓዊሱ ህጹጽ ረድኤት ከምዝዓደለ ይሕብር። ግን ድማ እኹል ኣይኮነን።

መዓስከራት ተመዛበልቲ ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕጥ ከምዘለዎን፡ ሓደጋ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክውስኽ ከምዝኽእልን ሰበስልጣን ጥዕና የጠንቅቑ።