ሱዳን፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ወተሃደራቱ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝተጸምበረ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Ajel
ኣብ ሱዳን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታትን ፍሉይ ልኡኻትን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ፡ ምስ ኣስታት 300 ኣዘዝትን ወተሃደራትን 30 ናይ ውግእ መካይንን ብምሓዝ ካብቲ ጕጅለ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበረ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ናይ ቱርኪ ሓቢራ።
እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣብ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ እዚ ስጕምቲ ዝወሰደ ነቲ “ትርጕም-ኣልቦ ኲናት” ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋሙ ኰይኑ፡ ንሰላምን ደም ህዝቢ ሱዳን ንምዕቃብን ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ።
ኣል-ፈንጃሪ ወሲኹ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረቶምን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኵሉ ከም ዝዅንን ብምግላጽ፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጕድኣት ንዝወረዶም ስድራቤታት ሱዳን ይቕረታ ሓቲቱ።
ኣል-ፈንጃሪ ነዚ ግጭት “ዕላማን መጻእን ዘይብሉ ኲናት” ክብል ብምግላጽ፡ ካልኦት ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ’ውን ካብቲ ውግእ ወጺኦም ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሃገሮም ብምስላፍ ተወሳኺ ደም ምፍሳስ ደው ከብሉ ጸዊዑ።
እዚ ናይ ኣል-ፈንጃሪ ምፍንጫል፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ግዝኣት ኣል-ጀዚራ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕን መራሒ ሓይልታት ‘ዋልታ ሱዳን’ን ዝነበረ ኣቡ ዓግላ ከይከል፡ ምስ ሰራዊቱ ካብቲ ዕጡቕ ሓይሊ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽምባሩ ይዝከር።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ንዳዕመ-ሰሪዕ ዓቢ ክሳራ ዘስዓበ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ካብቲ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ተሻሪኹ ዝቃለስ ዝነበረ ‘ምንቅስቓስ ሓይልታት ሓርነት ሱዳን’ ዝተፈልዩ ብመሓመደይን እስማዒል ኣቡ ዛራ ዝምርሑ ልዕሊ 100 ተዋጋእትን ኣዘዝትን፡ ምሉእ ዕጥቆምን ናይ ውግእ መካይኖምን ሒዞም ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ግንባር ቲና ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበሩ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ይዅን`ምበር፡ እቲ ኣል-ፈንጃሪ ሒዝዎም ወጺኡ ዝተባህለ ብዝሒ ወተሃደራትን ናይ ውግእ መካይንን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።
ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ’ዚ ዝወጽአ መግለጺ ክሳዕ ሕጂ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። ቅድሚ ሕጂ ግና ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዚ ዝበሉ ናይ ምፍንጫል ዜናታት ብሰራዊት ሱዳን ዝተወደበ ናይ ፕሮፓጋንዳ ጐስጓስ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዞባታት ዳርፉር፡ ካርቱም ከምኡ’ውን ኮርዶፋን ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ክልተኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ብምክያድን ገበናት ኲናት ብምፍጻምን ብተደጋጋሚ ይኸስዎም እዮም።


