ኢድካ ብሓመድ ምጽያቕ ኣብ ሳምንታት ጥዕናኻ ዘመሓይሽ ተፈጥሮኣዊ ምስጢር

ሓመድ ዝሓዘ ኢድ - ብግራፊክስ

ምንጪ ስእሊ, BBC/ Serenity Strull

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መዓልታዊ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ነዊሕ ናይ እግሪ ጕዕዞ እናገበርና፡ ኣእዳውና ካብ ርስሓት ናጻ ክዀና ምጥንቃቕ ልሙድ እዩ።

ሓደስቲ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምራት ግን፡ ኢድካ ኣብ ሓመድ ምእታው፡ ሳዕርን ኣእዋምን ምትንካፍ፡ ወይ ብሰበባ ኣእዳውካ ምምዛው ንጥዕና ቈርበትናን ንስርዓተ-ምክልኻል ኣካላትናን ዓቢ ረብሓ ከም ዘለዎ ይሕብሩ።

ኣብ ትካል ኣከባቢ ፊንላንድ ተመራማሪት ሚራ ግሮንሮስ፡ ሰባት ኣእዳዎም ን20 ካልኢታት ብሓመድ፡ ብዝጠስጠሰ ሳዕርን ኣትክልትን ከምኡ'ውን ብሰበባ ክጽየቑ ብምግባር ሓደ ፈተነ ኣካይዳ ነይራ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣእዳዎም ብማይ ምስ ተሓጸቡ፡ ኣብ ቈርበቶም ዘለዉ ጠቐምቲ ማይክሮባት (ደቀቕቲ ህዋሳት) ብዓይነትን ብብዝሕን ብዓቢኡ ወሲኾም ተረኺቦም።

"ብዓይኒ ክትርእዮም ከለኻ ጽሩያት ይመስሉ ነይሮም፣ እቲ ዝተኸስተ ለውጢ ግን ኣዝዩ ዓቢ እዩ ነይሩ፡" ትብል ግሮንሮስ።

ኣብ ቈርበትና ብዙሕ ባክተርያ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ዘስደምም ኣይመስልን ይኸውን። ይዅን'ምበር፡ እዞም ዝተፈላለዩ ማይክሮባት ብሓባር ክህልዉ ከለዉ፡ ንሓድሕዶም እናተቘጻጸሩ ነቶም ሕማም ዘስዕቡ ጐዳእቲ ባክተርያ ደረት ይገብሩሎም እዮም።

ኣብ ጭቃ ምጽዋት ንጥዕና ህጻናትን ቈልዑን

ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝርከብ መውዓሊ ህጻናትን ቈልዑን ኣውሪንኮሊና፡ ቈልዑ መዓልታዊ ኣብቲ ብኣእዋም ዝተኸበበ ሜዳ ክጻወቱን ብጭቃ ክልከዩን ልሙድ እዩ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ማርያ ሮስሉንድ ዝተባህለት ተመራማሪት ስነ-ኣከባቢ ዘካየደቶ መጽናዕቲ እዩ።

ሮስሉንድ ነቲ ናይ ኣግራብ መሬት፡ ዝጠስጠሰ ሳዕርን ኣትክልትን ናይ ተኽሊ ሳጹናትን ናብቲ መጻወቲ ቀጽሪ ብምእታው፡ ኣብቶም ህጻናትን ቈልዑን ዘስዓቦ ጽልዋ መርሚራ። ውጽኢቱ ከም ዘረጋገጾ፡ እቶም ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ባይታ ዝተጻወቱ ህጻናት፡ ምስቶም ኣብ ኮንክሪት ዝተጻወቱ ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ቈርበቶም ዝለዓለ ብዙሕነት ማይክሮባት ኣማዕቢሎም ተረኺቦም።

"ሕማም ልክዕ ከም ምልካዊ ስርዓት እዩ፣ ጥዑይ ቈርበት ድማ ልክዕ ከም ደሞክራሲ እዩ፡" ትብል ሮስሉንድ። ምኽንያቱ፡ እቶም ጠቐምቲ ማይክሮባት ብብዝሖም ንጐዳእቲ ባክተርያ ስለ ዝደፍእዎም፡ ንሕማም ዝኸውን ባዶ ቦታ ኣይተርፍን እዩ።

ኣብ ሳዕርን ኣቝጽልትን ዝተዘርግሐ ግናዕ ኢድ

ምንጪ ስእሊ, BBC/ Serenity Strull

ጥዑይ ቈርበትን ስርዓተ-ምክልኻል ኣካላትን

ጥዕና ቈርበት ምስ ልቢ፡ ሆርሞናትን ኣእምሮኣዊ ንቕሓትን ምትእስሳር ኣለዎ። እቲ ዝዓበየ ረብሓ ግን ኣብ ስርዓተ-ምክልኻል ኣካላትና እዩ ዝረአ።

እቶም ብማይክሮባት ሃብታም ኣብ ዝዀነ ሓመድ ዝተጻወቱ ህጻናትን ቈልዑን፡ ኣብ ደሞም 'ሳይቶካይንስ' ዝበሃሉ ናይ ምክልኻል ምልክታት ከም ዘመሓየሹ ተረጋጊጹ። እዚ ድማ ኣካላትና ንስግኣታት ብልክዕ ከይተረበሸ ክከላኸል ዘኽእሎ ዓቕሚ ይፈጥረሉ።

ብተወሳኺ፡ 'ቲ-ሴልስ' ዝበሃሉ ጻዕዳ ዋህዮታት ደም ብምብዛሕ፡ ኣካላትና ንገዛእ ርእሱ ካብ ዘጥቅዓሎም ሕማማት ይከላኸለሉ። እዚ ድማ ከም ኣዝማን ኣለርጅን ዝኣመሰሉ ጸገማት ንምንካይ ተስፋ ዝህብ ኰይኑ ይርከብ።

ንዓበይትን ንኸተማታትን ዝኸውን ትምህርቲ

እዚ ረብሓ'ዚ ኣብ ህጻናትን ቈልዑን ጥራይ ዝድረት ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ገዛ ብተፈጥሮኣዊ ሓመድ ኣሕምልቲ ዝተኸሉ ዓበይቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብያተ-ዕዮኦም ብህያዋን ኣትክልቲ ("ቀጠልያ መንደቕታት") ዝተሸለመሎም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ቈርበቶምን ደሞምን ተመሳሳሊ ጥዕናዊ ምምሕያሽ ኣርእዮም እዮም።

ተመራማሪት ሚራ ግሮንሮስ፡ እዚ ኣረኣእያ'ዚ ኣብ ከተማታትና እውን ክስፋሕፋሕ ከም ዘለዎ ትምዕድ። ዜጋታት ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ኣብ ዝጓዓዝሉ ጐደናታት፡ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ምስ ኣእዋምን ሳዕርን ዝራኸብሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ።

ምስ ተፈጥሮ ምትእስሳር ምፍጣር ዘስዕቦ ግሁድ ዓቢ ጕድኣት የሎን፣ ጥዕናዊ ረብሓታቱ ግን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ስለዚ፡ ኢድና ዘርጊሕና ነቲ ብሰበባ ዝተሸፈነ ገረብ ንምትንካፍ፡ ኣብ ሳዕሪ ንምንባር፡ ወይ ንጭቃን ሓመድን ከይንፈርሕ፡ እዚ ሓድሽ ስነ-ፍልጠታዊ ርክብ ንዅልና ዓቢ መዘኻኸሪ እዩ።