ዝማዕበለ ዩራንየም እንታይ'ዩ፡ ስምምዕ ኑክሊየር ኣመሪካን ስዑድያንከ ንምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ [ጸጋም] ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን [የማን] ብ19 ሕዳር 2025 ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተራኸብሉ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ስዑድያ ዝማዕበለ ዩራንየም ንዘቤታዊ ሃልኪ ንኽትጥቀመሉ ከፍቀደላ ዘኽእል ኣዝዩ ወሳኒ ስምምዕ ምስ ኣመሪካ ተፈራሪማ ኣላ።

እቲ 'ሰለማዊ ንዩክለሳዊ ምትሕብባር' ተባሂሉ ዝተገለጸ ስምምዕ፡ ኣመሪካውያን ትካላት ኣብ መደባት ጸዓት ስዑድ ዓረብ ንኽሰርሓ ዓቢ ባብ ዘርሑ ምዃኑ ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ዋላ ድኣ ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ኣይውጻእ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ስዑድ ዓረብ ዩራንየም ከተማዕብል ከኽእላ'ዩ።

እቲ ስዑድ ዓረብ እተማዕብሎ ዩራንየም ብቐንዱ ንትካላት እታ ሃገር ከም ነዳዲ ኰይኑ ከገልግል ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ኑክለሳዊ ቦምባታት ንምስራሕ እውን ክውዕል ዝኽእል እዩ።

ክኢላታት፡ እቲ ኣመሪካን ስዑድያን ዝኸተማኦ ስምምዕ ኣብቲ ተኣፋፊ ዝዀነ ዞባ ተወሳኺ ሕልኽላኻት ክፈጥር ከምዝኽእል ስግኣቶም ይገልጹ።

እቲ ኣዋርሕ ኣቍጺሩ ዘሎ ኲናት ኢራንን ኣመሪካን እስራኤልን'ውን መበገሲኡ ኑክሊየር'ዩ።

ኣመሪካን እስራኤልን እቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ መበገሲኡ እታ ሃገር ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ተማዕብል ኣላ ካብ ዝብል'ዩ፡ ኢራን ግን ነዚ ምሉእ ንምሉእ'ያ ትነጽጎ።

ስዑድያ ዩራንየም ከተማዕብል ክፍቀዳ ድዩ?

እዚ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ዘቃልሓኦ ዘለዋ ሓቂ ምዃኑ እንተ ተረጋጊጹ፡ እቲ ስዑድያ ምስ ኣመሪካ ዝተፈራረመቶ ስምምዕ ንዩክለር ኣዝዩ ፍሉይ'ዩ ክኸውን።

ብመሰረት ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ዝወጽኦ መግለጺ፡ እቲ 'ሰለማዊ ኑዩክለሳዊ ምትሕብባር' ተባሂሉ ዝተገለጸ ስምምዕ ኣመሪካ ምስ ኣስታት ሓምሳ ሃገራት ተፈራሪማቶ ኣላ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ከኣ ምልውዋጥ ንዩክለሳዊ ንዋት፡ ነዳዲ፡ ቴክኖሎጅን ሓባራዊ ምርምርን ዘጠቓልል'ዩ።

እንተዀነ ካብዘን ምስ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ስምምዕ ዝፈረማ ሃገራት ህንድን ጃፓንንን ጥራይ'የን ዩራንየም ከማዕብላ ተፈቒዱለን።

ዩራንየም ከኣ ኣብ ምምዕባል ንዩክለሳዊ ጸዓትን ንዩክለሳዊ ኣጽዋርን ወሳኒ ተራ ዘለዎ ባእታ'ዩ።

እተን ዝተረፋ ምስ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ስምምዕ ዝኸተማ ሃገራት ግን ንዩክለሳዊ ጸዓት ዓዲገን ክጥቀማ'ምበር ባዕለን ከማዕብላ ኣይፍቀደንን'ዩ።

ሓንቲ ካብተን ምስ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ስምምዕ ከቲማ ዩራንየም ከተማዕብል ግን ዘይተፈቐዳ መዳውብቲ ስዑድያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ያ።

ኣብ 'ዲፈንስ ፕራዮሪቲስ' ዳይረክተር ፕሮግራም ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነት ሮዝመሪ ከላኒክ፡ እቲ ስምምዕ፡ ስዑድ ዓረብ ዩራንየም ከተማዕብል ዘፍቅድ እንተዀይኑ 'ኣዝዩ ዘሰንብድ'ዩ' ብምባል'ያ ገሊጻቶ።

"ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣይገበረትን፡ ሃገራት ኣብ ገዛእ መሬተን ዩራንየም ከማዕብላ ፈጺምና ሓጊዝናየን ኣይንፈልጥን ኢና" ድሕሪ ምባል ነዚ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ከተብርህ እንከላ ከኣ "[ሃገራት] ንዩክለሳዊ ጸዓት ባዕለን ከማዕብላ እንተኽኢለን" ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምምዕባል ተኽእሎአን ዝዓበየ ምዃኑ'ያ እዛ ክኢላ እትገልጽ።

ዩራንየም ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ መሬት ዝርከብ ባእታ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዩራንየም ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ መሬት ዝርከብ ባእታ'ዩ

ዝሃብተመ ዩራንየም እንታይ'ዩ?

ዩራንየም ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ መሬት ዝርከብ ባእታ'ዩ።

መብዛሕትኡ ከኣ ዩ-238 ከምኡ ከኣ ዩ-235 ዝተበሃሉ ኢሶቶፕ (ኣቶማዊ ክብደቱን ንዩክለሳዊ ጠባዩን ዝተፈለየ ክንሱ፡ ከሚካላዊ ጠባዩ ግን ሓደ ዝዀነ ባእታ) ዝቐመ'ዩ።

ልዕሊ 99 ሚኢታዊት ካብ ዩራንየም ከኣ ዩ-238 ዝሓዘ ኰይኑ፡ እዚ ዘይማዕበለ ዩራንየም ኰይኑ ዝዀነ ስግኣት ዘይፈጥር'ዩ።

እቲ 0.7 ሚኢታዊት ግን ዩ-235 ዝዓይነቱ ኢሶቶፕ ኰይኑ ብቐሊሉ ተፈልዩ ብመስርሕ 'nuclear fission' ናብ ብርቱዕ ጸዓት ክቕየር ይኽእል።

ናብ ጸዓት ንምቕያሩ ግን ብመሰርሕ 'ኢንሪችመንት' እቲ መቓን ዩ-235 ከምዝዓቢ ይግበር።

መጀመርታ ናብ ጋዝ ይቕየር፡ ናብ ጋዝ ምስተቐየረ ከኣ ኣብ ሓደ ዕጹው ክቢ ብብርቱዕ ሕምባበ ከምዝዘውር ብምግባር እቲ ዝያዳ ከቢድ ዝዀነ ዩ-238 ናብ ደገ ገጹ እቲ ብተዛማዲ ፍዂስ ዝበለ ዩ-235 ከኣ ናብ ኣብ ማእከል ይተርፍ'ሞ ይፈላለ።

እዚ ከኣ እቲ ኣዝዩ ብውሑድ መጠን ዝርከብ ዩ-235 ካብ ዩ-238 ብምፍላይ ኣዋህሊልካ ንመመስርሒ ጸዓት ካብኡ ሓሊፍካ ከኣ ንመመስርሒ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ይውዕል።


ዝተፈላለዩ ክፋላት ዩራንየም ንምፍላይ ንዝግበር መስርሕ ዘርኢ ስእሊ

እቲ ንጸዓትን ንንዩክለሳዊ ኣጽዋርን ዝውዕል ዩራንየም ፍልልዩ እንታይ'ዩ?

ደረጃታት ምህብታም ዩራንየም እዩ እቲ ዩራንየም ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝውዕል ዝውስኖ።

እቲ ትሑት ካብ 3-5 ሚእታዊት ዩ-235 ዘለዎ ዩራንየም ንጸዓት ዝውዕል ኰይኑ፡ እቲ ልዑል ዝብሃል ካብ 20 ሚእታዊት ንላዕሊ መጠን ዩ-235 ዘለዎ ከኣ ንዩክለሳዊ መነጣጠፊ ከውዕል ይኽእል'ዩ፤ እቲ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምስራሕ ዝውዕል ዩራንየም ግን ኣስታት 90 ሚእታዎት መጠን ዩ-235 ክህልዎ ኣለዎ።

ኣብ ከምዚ ደረጃ፡ ዳርጋ ብቕጽበት ኒዩክለሳዊ ኣነጣጠፍቲ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክዀኑ ዝልዓለ ተኽእሎ'ዩ ዘለዎም።

እኹል ዩ-235 ምስ ተኣከበ፡ ኣቶማት ኣዝዩ ብቕልጡፍ ክመቓቐሉ ይጅምሩ፣ ኣብ ውሽጢ ሓያለ ክፋላት ካልኢት ከኣ ብርቱዕ ጸዓት ይለቁ።

እዚ እዩ ንሲቪላውን ወተሃደራውን ኣጠቓቕማ ዩራንየም ዝፈልዮ።

ንሲቪላዊ መዓላ ኣብ ዝድለየሉ እቲ ዩራንየም ቅሩብ ይህብትም እሞ እቲ መስርሕ ኮነ ኢልካ ይዝሕልን ብጥንቃቐ ይመሓደርን፤ እዚ ድማ ጸዓት በብቕሩብ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ከም ዝፍጠር ይኸውን።

ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ኣብ ዝድለየሉ ግን እቲ ዕላማ ብኣንጻሩ እዩ፤ ኵሉ እቲ ጸዓት ብሓደን ብብዙሕን ከም ዝፍጠር'ዩ ዝግበር።

ዝተፈለለየ መጠን ዩ-235 ኣብ ምንታይ ከምዝውዕል ዘርኢ ስእሊ

ስዑድያ ንዩክለሳዊ ቦምባ ክትስርሕ ድያ?

ክፍሊ ጸዓት ኣመሪካ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት እቲ ብ22 ሓምለ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ዝተበጽሐ ስምምዕ ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ "ንክልተኣዊ ድሕነት" ዝምልከት'ውን ከምዝተማምዓ የመልክት።

"እዚ ክልተ ስምምዓት ብሓባር ንዝምጽእ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብሓያለ ቢልዮናት ዶላራት ዝትመን ሽርክነት፣ ቀዳምነታት ዝውሃቦ ቍጠባውን ስትራተጅን ከምኡ ከኣ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንዘይምስፍሕፋሕ [nuclear non-proliferation] ከም ሕጋዊ መሰረት ኰይኑ ከገልግል'ዩ" ይብል።

መንግስቲ ስዑድያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን እቲ ስምምዕ "ነቲ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ጽላት ጸዓት ዝጸንሐ ምትሕብባር ዝያዳ ዘርእን ዘስፍሕ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ስምምዕ ከኣ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት ናብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ከምዝተበጽሐ መንግስቲ ስዑድያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ 2018 ምስ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕተት ሃገሩ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምውናን መደብ ከምዘይብላ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ብዘይ ጥርጥር ኢራን ንዩክለሳዊ ቦምባ እንተ ኣማዕቢላ ግን ንሕና'ውን ከይውዓልና ከይሓደርና ክንስዕብ ኢና" ኢሉ።

ስዑድ ዓረብ ካብ 2010 ኣትሒዛ ንጽዓት ዝውዕል ንዩክለር ከተማዕብል ድሌታት ከተርኢ ምጽንሓ ይፍለጥ፤ እንተዀነ ብውሽጣዊ ዓቕማ ንዩክለሳዊ ጸዓት ከተማዕብል ዓቕሚ ከምዘይብላ ንዓለማዊ ምምዕባል ንዩክለሳዊ ጸዓት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ማሕበር ንዩክለር ይገልጽ።