እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን ኣንስቲ፡ ንማህረምቲ ሰብኡተን 'ምኽንያታዊ እዩ' ይብላ
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ኢዱ ከልዕል ግቡእ ደዩ? እቲ ዝገደደ ግን፡ ማህረምቲ ሰብኡተን 'ቅኑዕ'ዩ' ኢለን ዝጣበቓ ግዳያት ምህላወን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ሓድሽ ዳህሳስ፡ ነቲ ኣብ ሕሰምን ስቕታን ተሓቢኡ ዝነበረ ዘሰንብድ ሓቂ ኣቃልዒዎ ኣሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ዝዀና ኣንስቲ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ንምውቃዕ ዘእምን ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል ከም ዝኣምና ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ንሰበይትኻ ምውቃዕ ቅቡል እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ሰብኡት፡ ቍጽሮም ካብቲ ናይ ኣንስቲ ዝተሓተ እኳ እንተዀነ፡ ምስቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ዳህሳስ ክነጻጸር ከሎ ግን ብ11 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።
እዚ ኣሃዝ ዝወጸ፡ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምኒስትሪታትን ብምዃን ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ናይ ስነ-ህዝብን ጥዕናን ዳህሳስ እዩ።
ኣብዚ ኣብ ሓምለ 2018 (ግ) ወግዓዊ ዝዀነ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 30,000 ሰባት ተሳቲፎም እዮም።
እቶም ንመውቃዕቲ ምኽንያት ዝዀኑ ነጥብታት
እቲ መጽናዕቲ ንሰበይትኻ ንምውቃዕ "ብቑዕ ምኽንያት" ተባሂሎም ንዝቐረቡ ሓሙሽተ ነጥብታት መበገሲ ብምግባር እዩ ንተሳተፍቲ ሕቶታት ኣቕሪቡ። እቶም ነጥብታት ድማ፤
- መግቢ ምሕራር (ምንዳድ)፣
- ክርክር ወይ ምጭቕጫቕ፣
- ንሰብኣይ ከይሓበርካ ካብ ገዛ ምውጻእ፣
- ሸለልትነት ኣብ ክንክን ቈልዑ፣
- ከምኡ'ውን ጾታዊ ርክብ ምኽልካል እዮም።
ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ኣንስቲ፡ እተን 55 ሚእታዊት ካብዞም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት እንተ ወሓደ ሓደ ነጥቢ ንመውቃዕቲ "ብቑዕ ምኽንያት" ምዃኑ ገሊጸን።
እዚ ኣረኣእያ'ዚ ዘለዎም ሰብኡት ድማ 39 ሚእታዊት እዮም። ኣብ ክልተኦም ጾታታት፡ "ንውሉዳት ሸለል ምባል" ዝብል ነጥቢ ንመውቃዕቲ ከም ቀንዲ ምኽንያት ተጠቒሱ ኣሎ።
ዝረኣዩ ዘለዉ ለውጥታት
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመውቃዕቲ ዝድግፋ ኣንስቲ ቍጽረን ካብ ሰብኡት ይብለጽ'ምበር፡ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር ከሎ ግን መጠኑ እናነከየ እዩ መጺኡ። ቅድሚ 10 ዓመት እዚ ኣረኣእያ ዝነበረን ኣንስቲ 63 ሚእታዊት ክዀና ከለዋ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ግን 85 ሚእታዊት ነይሩ።
ብኣንጻሩ ግን፡ ንሰበይትኻ ምውቃዕ ቅቡል እዩ ዝብሉ ቍጽሪ ሰብኡትካብ 28 ሚእታዊት (ቅድሚ 10 ዓመት ዝነበረ) ናብ 39 ሚእታዊት ደይቡ ኣሎ።
"መውቃዕቲ ዝበጽሐን ኣንስቲ ስቕታ ይመርጻ"
ኣብ መሰል ደቀንስትዮ ዝሰርሕ 'ሴታዊት' ዝተባህለ ትካል ዋና ዳይረክተር ዶ/ር ስሁይን ተፈራ፡ እቲ ጸብጻብ ዘርእዮ ናይ ኣረኣእያ ጋግ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ክገጥም ከም ዝግባእ ትሕብር።
"ደቂተባዕትዮ መውቃዕቲ ጌጋ እዩ እናበሉ፡ ንኣንስቶም ዝወቕዑ ዘለዉ ደኣ መን እዮም?" ክትብል እውን ሕቶ ተልዕል።
ከም ጸብጻብ እቲ ኣገልግሎት ስታቲስቲክስ፡ ሰብኣይ ወይ መጻምዲ ካብ ዝነበረን ኣንስቲ እተን 30 ሚእታዊት ኣካላዊ፡ ጾታዊ ወይ ስምዒታዊ ዓመጽ በጺሕወን እዩ። ካብዚአን እተን 58 ሚእታዊት ዝዀና ግዳያት ግን ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ኣይሓተታን ወይ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝወረደን ዓመጽ ኣይተዛረባን።
መበገሲ እቲ ጸገምን መፍትሒኡን
ደቀንስትዮ ንዓመጽ ከም ቅቡል ክርእይኦ ዝገብሩ ምኽንያታት፡ ኣብ ንኡስ ዕድመ ምምርዓው፡ ኣብ ዓመጽ ዝመልኦ ስድራቤት ምዕባይን ቍጠባዊ ዓቕሚ ዘይምህላውን ምዃኑ ዶ/ር ስሁይን ትገልጽ።
እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ደረጃ ትምህርትን ቍጠባዊ ኣታዊ ስድራቤትን ክውስኽ ከሎ፡ ዓመጽ ናይ ምቕባል ዝንባለ ይንኪ እዩ። ንኣብነት፡ ትምህርቲ ዘይብለን ኣንስቲ 63 ሚእታዊት ንመውቃዕቲ ክድግፋ ከለዋ፡ ካብ ካልኣይ ደረጃ ንላዕሊ ዝተማህራ ግን 29 ሚእታዊት ጥራይ እየን።
ብደረጃ ክልል ክርአ ከሎ፡ ኣብ ሲዳማ (74%) ከምኡ'ውን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን (71%) ልዑል ናይ ደገፍ መጠን ክመዝገብ ከሎ፡ ኣብ ክልል ሶማል ግን እቲ ዝተሓተ (23%) ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ከም መፍትሒ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ደቀንስትዮ ምድንፋዕ፡ ኣፍልጦ ማሕበረሰብ ምዕባይ፡ ከምኡ'ውን ንግዳያት ዓመጽ ናይ ሕጊ፡ ጥዕናን ስነ-ልቦናን ደገፍ ተበጻሒ ምግባር ከም ዘድሊ እቲ መጽናዕቲ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።