እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ሰብን ዘራእትን ጕድኣት ዘውረደ ሻብዓይ መዓልቱ ዘቝፀረ ኵምራ በረድ
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ፡ በረድን ፀፍዕን ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ፡ እንስሳ ዘቤትን ኣዝርእትን ሓደጋ ከም ዘውረደ፡ ሰበስልጣን ንቢቢሲ ገሊፆም።
14 ሓምለ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ከባብታት ቆላ ተምቤን (ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ) ዝወረደ፡ ሓያል ዝናብ 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ከም ዝዀነ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ምክትል ኣመሓዳርን እቲ ወረደ፡ ኣቶ ሃፍቶም ዘነበ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣረዲኡ።
ኣይተ ሃፍቶም፡ እቲ ሓደጋ በረድ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓሙሸተ ጣብያታት ጕድኣት ዘብፀሐ ኰይኑ፡ ወዲ 12 ዓመት ንኡስ ብሰንኪ እቲ ሓያል ዝናብ ዘስዐቦ ውሕጅ ተወሲዱ ህይወቱ ከም ዝሰኣነ ተዘሪቡ።
"ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ሕልፈት ኣጋጢሙ፤ ወዲ 12 ዓመት እዩ፤ ኣብ በረኻ ኣብ መጓሰ እናሃለወ ውሕጅ ወሲዱዎ ሞይቱ፡" ኢሉ።
ብሓፈሻ፡ 2134 መራሕቲ ስድራ (ልዕሊ 10,000 ነበርቲ) በቲ ሓደጋ ከም ዝተፀልዉ ዝገለፀ ኣይተ ሃፍቶም፡ ኣብ ልዕሊ 201 እንስሳ ዘቤት ናይ ሞት መውሰድትን ከም ዘጋጠመ ወሲኹ ተዛሪቡ።
"ናይዞም ግድኣት ዝበፅሖም ስድራቤታት ሕድሕድ ዝበፅሖም ጕድኣት ኣብ ምፅናዕ ኢና ንርከብ። እቲ ጕድኣት ልዕሊ እቲ ዝግለፅ ዘሎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢና ንግምት፡ ንግዚኡ መበገሲ ክዀናን ዝኽእል ኢና ኣፅኒዕና፡" ኢሉ።
እተን በቲ ሓደጋ ዝተጠቕዓ፡ ገፅኪ ምለስለይ፡ ዶክተር ኣታኽልቲ፡ ወርቃምባ፡ ልምዓትን ሰላምን ኣብ ዝተብሃላ 5 ጣብያታት እታ ወረዳ ኣብ ዝራእቲ ምሸላ፡ ዕፉን፡ ዓልቋይን ካልኦትን ጉድኣት ከም ዘብፀሐን ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ብመስኖ ዝለምዑ ዝነበሩ ቀወምቲ ተኽልታት ድማ ጕድኣት ከም ዘብፀሐ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
በቲ በረድ ዝተሓወሶ ሓያል ዝናብ ኣብ ርእሲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዘብፀሖ ጉድኣት፡ ኣጣል፡ ከፍቲ፡ መፅዓኛን ደርሁን ዝርከበአን ብሓፈሻ 201 እንስሳት ከም ዝሞታ እቲ ሓላፊ ኣፍሊጡ።
እቲ ሓደጋ ስዒቡ 12 ኣባይቲ ምሉእ ንምሉእ ዝዓነዉ ዀይኖም፡ 625 ድማ መጠናዊ ዕንወት ከም ዝበፅሖም ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ወረዳ ዝርከብ ብሓፈሻ ልዕሊ 1,000 ሄክታር መሬት ጕድኣት ዝበፅሖ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ብመስኖ ዝለመዐ መሬት፡ በቲ ውሕድ ከም ዝተወስደን ሓረስቶት ገልቢጦም ክዘርኡ ይግደዱ ከም ዘለዉን ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ስለዝዀነ'ውን፡ ሓገዝ ምሩፅ ዘርኢ፡ ቀለብን እታወት መደባርያን ከምኡ እውን፡ እቶም ዝፈረሱ ገዛውቲ ዳግም ንምህናፅ ዝሕግዙ ቆርቆሮን ካልኦት ናውትን ኣብ ምቕራብ መንግስታውን ዘይመንግስታዊ- ግብረሰናይ ትካለት ኢዶም ክዝርግሑ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብቲ ወረዳን፡ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚዘበን፡ ክረምቲ ደንጕዩ ከም ዝኣተወ ዝግለፅ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ከምዚአን ዝበላ ገለ ወረዳታት ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘብፅሕ ዘሎ ዝናብ ይወርድ ኣሎ።
እቲ ካብ ኲናት ወረ ኲናትን መሊኡ ዘይወፅአ ክልል፡ ምስቲ ክረምቲ ድንጓጒዩ ምጅማሩን ተኣሳሲሩ፡ ደርቂ ከይስዕብ ስግኣት ኣሕዲሩ ይርከብ።
ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ገዚፍ መጠን ዘለዎ በረድ ወሪዱ ከም ዝይፈልጥ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ ንዝሓለፉ ሽድሽተ መዓልታት፡ ሕዚ'ውን ኵምራ በረድ ይረአ ከም ዘሎን ብዙሓት ስድራታት ምስ ጥሪቶም መፅለሊ ስኢኖም ከም ዝርከቡን ወሲኹ ተዛሪቡ።
"እቲ በረድ ሻውዓይ መዓልቱ ኵምራ ሰሪሑ እዩ ዘሎ፤ ከምዚ ዝበለ ተራእዩ ኣይፈልጥን፤ ኣነ ኣብ ህይወተይ ከምዚ ዓይነት ዝናብ ርእየ ኣይፈልጥን፤ ካልኦት ዓበይቲ'ውን ከምዚ ዝበለ ጕድ ርእዮም ሰሚዖም ከም ዘይፈልጡ እዮም ዝዛረቡ።"
እቶም ዘራእቶም በዚ በረድ ዝተሓወሶ ውሕጅን ዕልቕልቕን ዝተወስዶም ሓረስቶት፡ ኣብ ሰፊሕ ሻቕሎት ኣትዮም ከም ዝርከቡን ሓገዝ እንተ ዘይተገይሩሎም፡ ህይወቶም ንሓደጋ ከም ዝተሳጥሐን ኣይተ ሃፍቶም ይዛረብ።
ዝበዝሑ ካብቶም ዝተፀልዉ ነበቲ፡ ምስ ኣባላት ስድራን ጐረቤትን ኣፅሊሎም ከም ዝርከቡ ግን ድማ ህፁፅ ሓገዝ እንተ ዘይተገይሩሎም ንጥሜትን ሞትን ከይቃልዑ ስግኣት ከምዘሎ'ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ድማ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግዝያዊ መፅለሊ ኣዕቚበን ከም ዝርከባ ምፈላጥ ተኻኢሉ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ካብ ክልልን ዞባን ሓለፍቲ መፂኦም ነቲ ኵነታት እንተ ተዓዘቡ'ኳ፡ ዛጊድ ካብ ደገ ዝበፅሐ ገንዘባዊ ኰነ ማተርያላዊ ድጋፍ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።
ሜትሮሎጅን ትንበያ ኤል ኒኖን - ኢትዮጵያ
ናይ ሎሚ ዘበን ክራማት ትግራይ ዘንጊዑ ከም ዝኣቱ ሓበሬታ ከም ዝነበሮምን ንሓረስታይ እናምሃሩ ከም ዝፀንሑን ኣይተ ሃብቶም ተዛሪቡ።
እቲ ክራማት፡ ሓምሽተ ባህርያት ከም ዝህለዎ እውን ተዛሪቡ። እቲ ቀዳማይ ባህርያት እዚ ክራማት ደንጕዩ ምጅማሩ እዩ።
እቲ ክራማት ነታ ወረዳ ኣብ ክልተ ከም ዝኸፈላን፡ 16 ቍሸታት ክሳብ ሰነ 30 ማይ ከም ዘይነጠበን ተዛሪቡ።
"ብሓፈሻ እቲ ክራማት ዘንጊዑ እዩ ጀሚሩ፤ ከምኡ ኰይኑ'ውን ምቍርራፃት ኣሎ፤ ምስ ጀመረ ናይ ሸውዓተን ዓሰርተን ደረቕ መዓልታት ኣለዉ፤ እዚ ድማ ንዕቤት ዘራእቲ ኣዐርዩ ይጐድኦ ኣሎ"።
ኣብዚ ዓመት፡ ተጻራሪ ሳዕቤናት ኤል ኒኖ ማለት ትሑት መጠን ዝናብን ልዕሊ ዓቐን ዝናብን ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ የእትዎ ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) - ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ክልተ መልክዕ ኤል ኒኖ ዘርኢ እዩ።
ኣብ ሓደ ከባቢ ደርቅን ሕጽረት ማይን ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ድማ ውሕጅ ከጋጥም ከም ዝኽእል የረድእ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኦቻ-ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር፡ ዝራእቲ፡ ሩባታትን ዒላታት ማይን ይነቕጹ ኣለዉ።
ትንበያታት ከም ዘመልክትዎ፡ እቲ ዝቕጽል ኤል ኒኖ ዓለምለኻዊ ፅልዋ ከይህልዎ እውን ሓደጋ ኣሎ።
ኣብ ከም ትግራይ፡ ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ ክረምቲ ኣብ ዝዀነሉ ከባቢታት፡ "ካብ ንቡር ክሳብ ልዕሊ ንቡር ዝርግሐ ዝናብ" ክህሉ ምዃኑ ሰብሞያ ይዛረቡ።
ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን ምዕራብ ኦሮምያን ዝናብ ክረምቲ ብኣጋኡ ጀሚሩ ኣሎ።
ዞባታት ደቡብን ምብራቕን ትግራይ፡ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፡ ዞባታት ክልል ዓፋርን ማእከላይ ክፋላት'ታ ሃገርን፡ "ንቡር ብዝሒ ዝናብን" ክህልውዎም እዩ ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ድማ፡ "ትሕቲ ንቡር መጠንን ዝርግሐን ዝናብ" ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባውን ገማግም ባሕርን ኬንያ፡ ትሕቲ ንቡር ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ሕጽረት ዝናብ፡ ኣብ ሕርሻ፡ ቀረብ ማይ፡ ጽሬት፡ ውሕስነት መግቢን ጥዕና ህዝብን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ።