እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
11 መስከረም፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ትካላት ስለላ እንታይ ተማሂሮም እንታይከ ኣምሊጥዎም?
ቀዳማይ ሓላፍነት ሓደ መንግስቲ፡ ንህዝቡ ካብ ሓደጋ ምዕቃብ እዩ። ቅድሚ 25 ዓመት፡ ብ11 መስከረም 2001 ግን ኣመሪካ ነዚ ሓላፍነት'ዚ ኣብ ምውጻእ ብግህዶ ፈሺላ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ ኢድ ትካላት ስለላ'ኳ እንተ ነበረ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ፡ ነቲ ዝነበረ ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ኣወሃሂዱ ብግዜኡ ዘንበቦ በሊሕ ኣእምሮ ኣይነበረን።
እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 መስከረም (9/11)፡ ምስቲ ስዒቡ ዝተወስደ ስጕምትታት ተደሚሩ፡ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ፡ ድሕነትን ስለላን ናይዚ ክፍለ-ዘመን ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐረጸ ኰይኑ ሓሊፉ።
ኣብታ ብነብሰ-ቕትለታዊ ስጕምቲ ኣብረርቲ ነፈርቲ ኣልቃዒዳ ነተን ዝጨወይወን ነፈርቲ ናብ ማእከል ንግዲ ዓለም ዘውደቑላ ናይ 11 መስከረም መዓልቲ፡ ኣነ ኣብ ቢሮ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረኒ ናይ ጋዜጠኝነት ዕማም ኣብ ምዝዛም ነይረ።
ሓደ ፍልስጤማዊ ታክሲስታ ብኣግራብ ጽሕዲ ካብ ዝተሸፈኑ ኵርባታት ምዕራብ የሩሳሌም ኣቢሉ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ቤን ጉሪዮን ተል ኣቪቭ እናወሰደኒ እንከሎ፡ ሃንደበት ድምጺ ራድዮ መኪናኡ ዓው ኣበሎ፤ "ኣብ ኣመሪካ ዓቢ ነገር ተኸሲቱ ኣሎ፡" በለኒ፤ ኣየጋነነን። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ 2,977 ንጹሃን ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ሃንደበት ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይነበረን። ትካል ስለላ ኣመሪካ (CIA) ቅድሚ 2001 ንሓያሎ ዓመታት ብዛዕባ መርበብ ኣልቃዒዳን ኣብ ስደት ዝነበረ ስዑዳዊ መራሒኡ ኦሳማ ቢን ላደንን ሓበሬታ ነይርዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዓኡ ንምህዳን ፍሉይ ሓይሊ ዕማም እውን ኣቚሙ ነይሩ።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት፡ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆርጅ ደብልዩ ቡሽ "ኲናት ኣንጻር ግብረ-ሽበራ" ኣወጀ።
ኣብቶም ዝሰዓቡ 25 ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤውሮጳን ብዙሓት ናይ ስለላ ዓወታትን ውድቀታትን ተራእዮም እዮም። ውዲታት ፈሺሎም፡ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም፡ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ተኣሲሮም እዮም።
ይዅን'ምበር እቲ ዓቢ ስእሊ እንታይ ይመስል? ካብቲ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ንደሓር፡ ምእካብ ስለላዊ ሓበሬታ፡ ጸረ-ግብረ-ሽበራን ስትራተጅያዊ ውሳነታትን ብኸመይ ተቐይሩ?
ዓቢ ውድቀት ስለላ
መጥቃዕቲ 11 መስከረም ዓቢ ውድቀት ስለላ ምንባሩ ዘማትእ ኣይኰነን። ብዝያዳ ንጹር ንምዃን፡ ኣብ ማሕበረሰብ ስለላ ኣመሪካ ዝነበረ ናይ ምስትውዓልን ምግማትን ድኽመት እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን CIAን FBIን ዝተፈላለየ ቍርጽራጽ ሓበሬታታት ሒዞም ነይሮም እዮም። እዚ ሓበሬታ'ዚ ብግቡእ እንተ ዘወሃህድዎ፡ ነቲ ዘጋጠመ ህልቂት ምውጋድ ምተኻእለ ነይሩ።
እቲ ድሒሩ ዝወጽአ ጸብጻብ ኮምሽን 11 መስከረም፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ "ብውድቀት ምግማት፡ ፖሊሲ፡ ዓቕምን ምምሕዳርን" ተሓታቲ ገይሩ ነይሩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዘረድኦ፡ ክልተኦም ትካላት ነቲ ዝነበሮም ስለላዊ ሓበሬታ ብግቡእ ኣብ ምግምጋምን ንሓድሕዶም ኣብ ምልውዋጥን ብምፍሻሎም፡ ነቲ ውዲት ንምብታኽ እኹል ስጕምቲ ኣይወሰዱን።
እዚ መሰረታዊ ትምህርቲ'ዚ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዓቢኡ ተቐሲሙ እዩ። ሎሚ ኣብ መንጎ ምዕራባውያን ትካላት ስለላ ዘሎ ምልውዋጥ ሓበሬታ ካብቲ ናይ 2001 ብዘይነጻጸር ደረጃ ዝበለጸ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ብሪጣንያ ንኣብነት፡ እቲ ኣብ መንጎ MI5ን ጸረ-ግብረ-ሽበራ ፖሊስን ዝነበረ ናይ ቀደም ንሕንሕ ፈሪሱ እዩ።
ፈለማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ብዝተዘርግሑ 'ናይ ውህደት ማእከላት'፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ለንደን ብዝተመስረተ ልዑል ጸጥታዊ ሓለዋ ዘለዎ ማእከል ስርሒታት ጸረ-ግብረ-ሽበራ ኣቢሉ ሓባራዊ ስራሕ ተመስሪቱ።
ኣብዚ ማእከል፡ መኮንናት ስለላ ኤም-I5 ኣብ ጐድኒ እቶም ፈጻሚ ስጕምቲ ዝወስዱ መኮንናት ፖሊስ ተቐሚጦም ይዓዩ። ኣብ ጐድኖም ድማ ካብ ኤፍ-ቢ-ኣይ ዝመጽአ ኣመሪካዊ ወኪል ወይ ካብ ትካል ስለላ ርክባት ብሪጣንያ (GCHQ) ዝተመደበ ክኢላ ቋንቋ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኣመሪካ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጥቓ ዋሽንግተን ሃገራዊ ማእከል ጸረ-ግብረ-ሽበራ ተጣይሹ፡ ኣብ መንጎ እቶም 18 ትካላት ስለላ ሓበሬታ ብግቡእ ንኽመሓላለፍ ዝከታተል ዳይረክተር ሃገራዊ ስለላ ተሸይሙ።
እቲ ኣብ መንጎ ሲ-ኣይ-ኤን ናይ ብሪጣንያ ኤም-I6ን ዘሎ ምትእስሳር ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝደልደለ ኰይኑ፡ በቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዘሎ ኪዳን "ሓሙሽተ ኣዕይንቲ" ዝያዳ ተርኒዑ ይርከብ።
ካብ 11 መስከረም ክሳብ ወራር ዒራቕ፡ ዝተደግመ ጌጋ
ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ምውዳቕ እተን ማንታ ህንጻታት'ውን ከቢድ ናይ ስለላን ስትራተጅያዊ ውጥንን ውድቀታት ኣየቋረጸን።
ቅድሚ'ቲ ብ2003 ብኣመሪካ ዝተመርሐ ወራር ዒራቕ፡ ኤም-I6 ስለላዊ ሓበሬታኡ ፖለቲካዊ መልክዕ ንኽሕዝ ብምፍቃዱ፡ እቲ ትካል ካብቲ ብ1950ታትን 1960ታትን ብንኽልተ ኣንጻር ኣካላት ዝሰርሕ ሰላሊ ኪም ፊልቢን ካልኦት ናይ ሶቭየት ሰለልትን ዝበጽሖ ጥልመት ንደሓር ዝኸፍአ ናይ ስም ዕንወት ገጢምዎ።
ዋሽንግተን፡ ዒራቕ ብመሪሕነት ሳዳም ሑሴን ኣጽዋር ጃምላዊ ህልቂት ከም ዘለዋ ዘረጋግጽ መርትዖ ንክቐርብ ብርቱዕ ጸቕጢ ትገብር ነይራ። በዚ ድማ ኤም-I6 ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቶኒ ብሌር ጕድለት ዝነበሮ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ኣቕረበ።
ዒራቕ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣጽዋር ጃምላዊ ህልቂት እኳ እንተ ነበራ፡ ድሕሪ ኲናት ወሽመጥ 1991 ግን ኵሉ ዓንዩ ነይሩ።
ኣብ ዒራቕ ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት ኰይኑ ዘገልገለ ጀነራል ሰር ሪቻርድ ሺረፍ፡ "እቲ ኲናት ኣብ ኣዝዩ ጕድለት ዝነበሮ ስለላዊ ሓበሬታ ዝተመርኰሰ ነይሩ፡" ይብል።
"ካብኡ ተማሂርናዶ? ኣይፋልናን፡ ካብ ተመኵሮ ኣብ ምምሃር ድኹማት ኢና። ናብ ስትራተጅያዊ ውድቀት ንጓዓዝ ከም ዝነበርና ኣዝዩ ንጹር ነይሩ።"
ድሕሪ እዚ ፍጻመ'ዚ፡ ኤም-I6 ነቲ ካብ ኣብ ባይታ ዘለዉ ወከልቲ ዝመጽእ ዘይተጻረየ ሓበሬታ (CX) ብኸመይ ከም ዝግምግሞ ምሉእ ዳግመ-መአረምታ ገይሩ ነይሩ።
ሎሚ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ከም ኢራን፡ ሰሜን ኮርያ ወይ ኣልቃዒዳ ሓበሬታ ዘምጽኡ ሰለልትን፡ ነቲ ሓበሬታ መርሚሮም ተወሳኺ መርትዖ ዝሓቱ ጕጅለታት ጸብጻብን ንጹር ናይ ስራሕ ጋግ ተገይሩ ኣሎ።
ይዅን'ምበር ውድቀታት ኣብዚ ጥራይ ኣየብቅዐን። ኤም-I5 ብ2005 ን52 ሰባት ዝቐተለ ናይ ለንደን መጥቃዕቲ ነተጕቲ (7/7)፡ ብ2017 ድማ ናይ ማንቸስተር ኣሬና ደብዳብ ኣብ ምክልኻል ተመሳሳሊ ድኽመታት ኣርእዩ።
ሎሚ እቲ ካብ ግብረ-ሽበራ ዝመጽእ ስግኣት ከም ዘለዎ ኰይኑ፡ ናይተን ሃገራት ስግኣት ግን መልክዑ ቀይሩ ኣሎ። ከምቲ ናይ ቀደም ሓላፊ ኤም-I5 ሎርድ ጆናታን ኢቫንስ ዝበሎ፡ ካብ ሩስያ፡ ኢራን፡ ተወከልቶምን ቻይናን ዝመጽእ ዘሎ መንግስታዊ ስግኣት፡ ማዕረ እቲ መንግስታዊ ዘይኰነ ግብረ-ሽበራ ሓደገኛ ኰይኑ ይርከብ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ እስራኤል ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝወሰዶ ስጕምቲ'ውን ናይ ምግማት ውድቀት ተገይሩ ክውሰድ ይከኣል እዩ።
ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻው ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ጸዓት ዓቢ ዕግርግር ክትፈጥር ከም እትኽእል መጠንቀቕታታት እናሃለወ፡ ትራምፕ ግን ነዚ ዝምክት ስትራተጂ ኣይነበሮን።
ስነ-ምግባራዊ ገምጋማትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን
ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ካልኣይ ማዕበል መጥቃዕቲ ከይመጽእ ኣብ ዝነበረ ዓቢ ፍርሒ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም።
ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ተጠርጠርቲ ብዘይጭቡጥ ምጥቋማት እናተገፈፉ፡ ዓይኖም ተሸፊኑ፡ ናብ ጓንታናሞ ቤይ ኩባ ተወሲዶም። ኣብኡ ድማ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተዳጒኖም።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ተግባር'ዚ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ሕልና ኣመሪካ ዝወደቐ ዓቢ ደገል ኢሎሞ። ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝተፈጸመ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት እውን ተጋሂዱ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጓንታናሞ ቤይ ብዘይ ፍርዲ ናይ ምእሳር ኣሰራርሓ ትቕጽሎ ኣላ። ብ2025 ድማ ልዕሊ 200 ሰባት ካብ ኣመሪካ ናብቲ ኣከራኻሪ ቤት ማእሰርቲ ኤል ሳልቫዶር ኣመሓላሊፋ እያ።
ብሪጣንያ'ውን ካብዚ ነቐፌታ ናጻ ኣይነበረትን። ብ2004 ኤም-I6 ንሓደ ሊብያዊ ዓብደልሓኪም በልሓጅን ብዓልቲ ቤቱን ካብ ታይላንድ ጨውዩ ናብ ሊብያ ኣብ ምምሕልላፍ ብምስታፉ፡ እቲ ግዳይ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ብርቱዕ ስቓይ ኣሕሊፉ።
እዚ ጉዳይ'ዚ ድሒሩ ተቓሊዑ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ 2018 ኣብ ባይቶ ወግዓዊ ይቕረታ ንኽሓትት ተገዲዱ እዩ።
ምዕራባውያን ኣብ ጸረ-ግብረ-ሽበራ ተጸሚዶም እንከለዉ ምዕባይ ሩስያን ቻይናን
ናይ ቀደም ሓላፊ ኤም-I6 ዝነበረ ሰር ኣሌክስ ያንገር፡ "ኣብ መጀመርታ 20 ዓመታት ናይዚ ክፍለ-ዘመን፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጸረ-ግብረ-ሽበራ ጥራይ ኢና ኣተኲርና፡" ይብል።
"በዚ ምኽንያት ድማ ምዕባይ ቻይና ከም ወተሃደራዊ ሓይልን ስትራተጅያዊ ብድሆን ኣምሊጡና።"
ምዕራባውያን ኣንጻር ጣሊባንን ዳዕሽን ኣብ ምውጋእ፡ ወይ ኣብቲ ዝተሓላለኸ ወራር ዒራቕ ተጸሚዶም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ሩስያን ቻይናን ግን ኣብ ዓበይቲ መደባት ዳግመ-ምዕጣቕ ተዋፊረን ጸኒሐን። ንኣብነት ኣብ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ዘመዝገብዎ ዕቤት፡ ነቲ ኔቶ ሓደ እዋን ዝነበሮ ወተሃደራዊ ብልጫ ብኸቢድ ኣዳኺምዎ እዩ።
ኣብቲ ናይ ጸጥታዊ ስለላ ትካል ሲቢላይን ዋና ተንታኒ ሳም ኦልሰን፡ "ናይ ምዕራባውያን ጌጋ ብጸረ-ግብረ-ሽበራ ጥራይ ምምሳጦም ኣይነበረን፡" ይብል።
"ቍጠባዊ ውህደት ናብ ፖለቲካዊ ምቅርራብ ከስዕብ እዩ ብዝብል ግጉይ ገምጋም፡ ባህሪ ምዕባይ ቻይና'ውን ኣይተረድእዎን።"
ሎሚ ቻይና ምስ ሩስያ ሓቢራ ንኤም-I6 ቀዳመይቲ ስለላዊት ዒላማ ኰይና ትርከብ። ሳም ኦልሰን ከም ዘረድኦ፡ እቲ ጸገም ሓበሬታ ስለላ ኣብ ምእካብ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ስትራተጅያዊ ትርጕም ኣብ ምሃብ እዩ።
ሓይሊ ቻይና ሎሚ ብወተሃደራትን መራኽብን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰሚኮንዳክተራት፡ ወሰንቲ መዓድናት፡ ወደባትን ኢንዱስትርያዊ ዓቕምን እዩ ዝዕቀን።
ቅድሚ 25 ዓመት፡ ኣብ መጥቃዕቲ 11 መስከረም እውን፡ ወከልቲ ስለላ ኣመሪካ ቍርጽራጽ ምስልታት ዘገጣጥምሉ ኣገባብ ኣብ ኢዶም ነይርዎም እዩ፤ ኵሉ ኣገጣጢሞም እንታይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ግን ኣየስተውዓሉን። ንስትራተጅያዊ ረብሓ ከተውዕሎ ዘይትኽእል እንተዄንካ ድማ ብሉጽ ስለላዊ ሓበሬታ ምእካብ ጥራይ ዋጋ የብሉን።
ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ-ዘመን፡ ዓለም ስለላን ጸረ-ግብረ-ሽበራን ዳርጋ ክሳብ ዘይልለ ተቐይሩ እዩ። ብምምጻእ ኪነታዊ-ብልሒ (AI)ን ኳንተም ኮምፒዩቲንግን ድማ እዚ ናህሪ'ዚ እናተቐላጠፈ ክቕጽል እዩ።
ይዅን'ምበር ውድቀታት ስለላን ስትራተጅያዊ ጌጋታትን ብምዕራባውያን ጥራይ ዝውነን ኣይኰነን። እቲ ብ2022 ብሩስያ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ወራር ዩክረይን፡ ከምኡ'ውን እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ካብ ቓዛ ዝተፈጸመላ ናይ ሓማስ መጥቃዕቲ ዘይምልላያ፡ ካልኦት ዓበይቲ ኣብነታት እዮም።
ኣብ መወዳእታ፡ ሕቶታት እናተላዕሉ ዝቕጽሉ ዘለዉ ኣብቶም ዓበይቲ ሃገራውያን ስትራተጅታት እዩ። ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ኣብ ዝተኻየደ ወራር ምጽንባራ ቅኑዕዶ ነይሩ? ኣብ ኣፍጋኒስታን ን20 ዓመታት ዝተኻየደ ስርሒት፡ ኣብ መወዳእታ ነታ ሃገር ንጣሊባን ገዲፍካ ብሃወኽ ምውጻእ ቅኑዕ ስጕምቲ ድዩ? እዚኣቶምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን፡ ድሕሪ 25 ዓመታት'ውን መሊሶም እናተቓልሑ ይቕጽሉ ኣለዉ።