እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ንማያት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ሞካን ዙቑርን ተቘጻጺሩ
ሑቲ የመን፡ ንማያዊ ዶባት ኤርትራ ቀረባ ዝዀና ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ስትራተጅያዊ ወደባዊት ከተማ ሞካን ደሴት ዙቑርን፡ ካብቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መንዚዖም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተዉዋ ወተሃደራውያን ምንጭታትን መሰኻኽር ዓይንን ሓቢሮም።
እዚ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ንኸተማ ሞካ ምቍጽጻሩ፡ ካብቲ ንእስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ናይ ንግዲ መስመር ደቡባዊ ኣፍደገ ዝዀነ መንገዲ ባብ ኤል-መንደብ ኣብ 75 ኪሎሜተር ርሕቀት ጥራይ ከም ዝቐርብ ገይርዎ ኣሎ።
ሑቲ ንዓለምለኻዊ መስመር መራኽብ ዝፈጥርዎ ስግኣት ከም ዘየሎ እኳ እንተ ገለጹ፡ ንመራኽብ ስዑዲ ዓረብ ዒላማ ንምግባር ዘለዎም ምፍርራሕ ግን ዳግማይ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ድሕሪ'ቲ ብሰንኪ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝርከብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምዕጻዉ፡ ንሰደድ ነዳዲኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክትምርኰስ ጸኒሓ እያ።
እዚ ኣብ መንጎ ሑቲ፡ መንግስቲ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝተኸስተ ምጕህሃር ግጭት፡ ዋጋ ነዳዲ ብዓቢኡ ንኽንህር ኣበርክቶ ዝገበረ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ እታ ሃገር መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ንነጀው ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉን ብኣሽሓት ዝግመቱ ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ተገሊጹ ኣሎ።
ምስዚ ብምትእስሳር፡ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ነቶም ሓይልታት መንግስቲ ንምድጋፍ ኣብ ምዕራባዊ የመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት መጥቃዕትታት ኣየር ከካይድ እንከሎ፡ ሑቲ ብወገኖም ኣብ ከተማታትን ትካላት ነዳዲን ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብ ሚሳይላትን ድሮናትን ተኲሶም እዮም።
ኣብ ሞካ ዝተኸስተ ዘሰንብድ ፍጻመታትን ህድማ ሰላማውያን ሰባትን
ተቐማጦ ሞካ ከም ዝገለጽዎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ድሕሪ'ቲ ምስ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስቲ ብረቡዕ ምሸት ዘካየድዎ ብርቱዕ ውግእ ናብታ ከተማ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ኣባይቶም ብተብተብ ክሃድሙ ኣገዲድዎም እዩ።
ሓደ ሰብኣይ ንመደብ 'ማእከላይ ምብራቕ ላይፍላይን' ቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ቍጽጽር ብዘይ ዝዀነ መጠንቀቕታ እዩ መጺኡ።
ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ፍርሒ ዓሲሉ፡ ኣብ ጐደናታት ዝወደቑን ዝረድኦም ዘይረኸቡን ቍሱላት ኣብ ዝርኣይሉ ዘሰንብድ ትርኢት ሰባት ክሃድሙ ተገዲዶም፡" ኢሉ።
ካልእ ተቐማጢ እታ ከተማ ብወገኑ፡ ኣብታ ከተማ ኣብያተ-ዕዮ መንግስትን ድኳናትን ተዓጽዮም ኣብ ዝወዓልሉ ሓሙስ፡ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ጐደናታት ሞካ ሓለዋ የካይዱ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣንሳር ኣላህ እንታይ ከም ዝገብሩ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ድሕነቱ ኣብ ስግኣት ይርከብ፡" ክብል ንወግዓዊ ስም እቲ ጕጅለ ብምጥቃም ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓያሎ እተመዛበሉ ስድራቤታት ናብታ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ባይቶ መሪሕነት ፕረዚደንትን መንግስቲ የመንን ዝርከቡላ ምብራቓዊት ከተማ ዓደን ገጾም የምርሑ ኣለዉ።
ሓንቲ ሰበይቲ ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ምስ ደቅና ሃዲምና ብእግርና ክንጐዪ ጸኒሕና፤ ዝዀነ መደቀሲ፡ ገዛ ወይ ዝሓዝናዮ ነገር የብልናን። ኵሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰዓት እዩ ዓንዩ፤ ዋላ ዕድል ኣይሃቡናን ወይ ኣቐዲሞም ኣየጠንቀቑናን፡" ኢላ።
ቀጺላ፡ "ንሕና ገዛእ ርእስና እንከላኸለሉ ዓቕሚ ዘይብልና ኣንስቲ ኢና፡ ንጹሃት ቈልዑ'ውን ሒዝና ኣለና፡" ብምባል ዘለዋ ዓቕሊ-ጽበት ገሊጻ።
ወተሃደራዊ ምዕባለታትን ምቍጽጻር ደሴት ዙቑርን
ብወገን ሑቲ ከተማ ሞካ ምቍጽጻሮም ብኡብኡ ዝተዋህበ ቀጥታዊ መረጋገጺ ኣይነበረን።
እንተዀነ፡ እቲ ብሑቲ ዝመሓደር ተለቪዥን ኣል-መሲራ ከም ዝሓበሮ፡ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ባይቶ እቲ ጕጅለ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዕጡቓት ጸላኢ ስዑዲ ድሕሪ ምብራሮም፡ ኣብ ኣውራጃታት ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝነበረ ግጭታት ደው ኢሉ ኣሎ፡" ኢሉ።
ሓይልታቱ ድማ በቲ ብኢራን ዝተወጠነን ዝተደገፈን መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከቢድ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ፡ ሓደ ናይ የመን ወተሃደራዊ ምንጪ ንወኪል ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ተዋጋእቲ ሑቲ ሓያል ደብዳብ ሮኬት ድሕሪ ምውራዶምን ብጃላቡ ኣቢሎም መሬታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶምን፡ ነታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሞካ ብሸነኽ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኣስታት 80 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ደሴት ዙቑር እውን ከም እተቘጻጸርዋ ገሊጹ።
ክልተአን እዘን ስትራተጅያውያን ቦታታት ንማያዊ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤርትራ ብቐረባ ዘዳውባ እየን።
ከተማ ሞካ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም የመን ኰይና ብሸነኽ ምብራቕ ናይቲ መትረብ ኣብ መንጽር ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ - ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጽር ከባቢታት ዓሰብ፡ በይሉልን በርዓሶለን ትርከብ።
እታ ኣካል ደሴታት ሓኒሽ-ዙቑር ዝዀነት ደሴት ዙቑር ድማ ካብ ገማግም ሞካ ብሸነኽ ሰሜናዊ-ምዕራብ ኰይና፡ ብቐጥታ ኣብ መንጎ የመንን ማእከላይ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን (ኣብ መንጽር ከባቢታት ዕዲን ጢዖን) ትርከብ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሓላፊ ባይቶ መሪሕነት ፕረዚደንት ራሻድ ኣል-ዓሊሚ፡ ሃገራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ንገማግም ባሕሪ የመን ንምክልኻልን ቍጽጽር መንግስቲ ንምምላስን ሓገዝ ከበርክታ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተነብረ እገዳን ውሕስነት መራኽብን
ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ባይቶ ሑቲ፡ "ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ማያትን የመን ናይ ምክልኻል መሰሉ" ከም ዘለዎ እናኣረጋገጸ፡ ብተመሳሳሊ ድማ "ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበር ምንቅስቓስ መራኽብ ውሑስ ከም ዝዀነ" ንማሕበረሰብ ዓለም መረጋገጺ ሂቡ።
እንተዀነ፡ እቲ ብሑቲ ዝመሓደር ማእከል ምውህሃድ ሰብኣዊ ስርሒታት፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ስዑዲ ዝተነብረ እገዳ ከም ዘለዎ ጸኒዑ ከም ዝቕጽል ኣስሚርሉ ኣሎ።
ወተሃደራዊ ወሃቢ-ቓል ሑቲ ያሕያ ሳሪዕ፡ ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ነፈርቲ ኲናት ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ኣውራጃታት ታዒዝ፡ ሑደይዳ፡ ማሪብን ጃውፍን 64 መጥቃዕትታት ኣየር ከም ዘካየዳ ገሊጹ።
ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስዑዲ ዓረብ ግን ብዛዕባ'ዚ ብኡብኡ ዝተዋህበ ርእይቶ የሎን።
ጸረ-መጥቃዕቲ ስዑዲ ዓረብን ምፍራስ ምቍራጽ ተዅስን
ወሃቢ-ቓል ናይቲ ኣብ የመን ዝዋጋእ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ፡ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ-ምዕራብ ከተማታት ስዑዲ ዝዀና ኻሚስ ሙሻይት፡ ኣብሃን ጀዛንን ንዘካየድዎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ምላሽ ከም ዝህብ ገሊጹ ነይሩ።
ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ከም ዝሓበርዎ፡ ዕጡቓት ሑቲ ብሰሉስ ዓሰርተታት ድሮናትን ሚሳይላትን ናብ ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብ ዝወንጨፉ ኰይኖም፡ ብሰንኩ 73 ሰላማውያን ሰባት ቈሲሎም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ነዳዲ ሓዊ ተላዒሉ ንስርሒታቶም ንግዜኡ ደው ከብሎ ኣገዲድዎም እዩ።
ሑቲ ብወገኖም፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝርከብ ግዝኣት ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ንዝተኻየዱ ዓሰርተታት መጥቃዕትታት ኣየር ስዑዲ ዓረብ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ምዃኑ ገሊጾም።
ካብዚኣቶም ከኣ እቲ ብሰኑይ ኣብ ኣውራጃ ጃውፍ ኣብ እትርከብ ከተማ ሓዝም ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ዝተኻየደን እንተ ወሓደ 23 ሰላማውያን ሰባት ዝቐተለን ደብዳብ ኣየር ከም ዝርከቦ ሓቢሮም።
እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን፡ ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ የመን ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ ኣንጻር ሑቲ ክቃለስ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይወግዓዊ ምቍራጽ ተዅሲ ምፍራስ ዝጀመረ ድማ ኣብ ሓምለ እዩ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ከም ዘንበሩ ኣፍሊጦም፡ ኣብ ልዕሊ መዓርፎታት ነፈርቲ፡ ትካላት ነዳድን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ቦጣትን መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ክኸፍቱ ጀሚሮም።
ሑቲ ነዚ ዝገበርዎ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ወደባትን መዓርፎታት ነፈርትን ግዝኣቶም ንዝገበረቶ ከበባ፡ ከምኡ'ውን በታ ንግስነት ተፈጺሙ ኢሎም ንዝኸሰስዎ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ዝወረደ መጥቃዕቲ ኣየር ሕነ ንምፍዳይ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ምዃኑ ተዛሪቦም።