ካልኣይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋታይ ባሎን ዲ ኦርሲ ይርከብዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፍሪቃ ኣብ ታሪኻ ሓንሳብ ጥራይ'ያ ብመንገዲ ላይበርያዊ ጆርጅ ዊሃ ንሽልማት ባሎን ዲ ኦር ተዓዊታትሉ።
ሎሚ ዓመት ነዚ ሽልማት ዝተሓጸዩ 30 ተጻወትቲ ምስ ተፈለጡ ከኣ፡ ኣፍሪቃ ንካልኣይ ግዜ ነዚ ሽልማት ክትዕወተሉ ዘሎ ተኽእሎ ካልእ ናይ ትጽቢት ዓመት ከመዝወሰኸ ርግጽ ኮይኑ ኣሎ።
ሓለቓ ሃገራዊት ጋንታ ጋንታ ሞሮኮ ኣሽራፍ ሓኪሚን ኣጥቃዓይ ሰኔጋል ሳድዮ ማነን ኣብ ዝርዝር 30 ሕጹያት ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን'ዮም።
ክልቲኦም ተጻወትቲ ቅድሚ ሕጂ ክሳብ ምስ ዝበለጹ ሽዱሽተ በጺሖም ነይሮም'ዮም፡ ስጳኛ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ኣልዒላ ኪልያን ምባፐ ድማ 10 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ኩሉ ግዜ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ናይዚ ውድድር ድሕሪ ምዃኑ፡ እዚ የማናይ ተኸላኻላይ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ኣሽራፍ ሓኪሚ ወይ እዚ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ኣልናስር ሳድዮ ማነ ነታ ኣፍሪቃ ትምነያ ሽልማት ዝበለጸ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ክዕወቱላ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ።
ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኣብዚ ሽልማት እዚ ዓቢ ጽልዋ ከሕድሩ ዘይክኣልሉ ከኣ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን።
ኣብቲ ቀዳማይ ገጹ ሓደን ቀንድን ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ነዚ ሽልማት እዚ ክዕወትሉ ዘይክኣልሉ ምኽንያት፡ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1956 ብመጽሄት ፈረንሳ ፉትቦል ዝተዓደለ ሽልማት፡ ክሳብ 1995 ንኤውሮጳውያን ዘይኮና ሃገራት ንዝውክሉ ተጻወትቲ ክፉት ዘይምንባሩ እዩ።
እቲ ሽልማት ንመጀመርታ ግዜ ንኹሎም ተጻወትቲ ክፉት ምስ ዀነ ከኣ ላይበርያዊ ተጻዋቲ ጆርጅ ዊሃ ምስ ፒኤስጂን ኤሲ ሚልንን ብዝገበሮ መስተንክር ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ነዚ ሽልማት እዚ ክዕወተሉ ዝኸኣለ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ።
ብድሕሪ እዚ፡ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ነዛ ሽልማት እዚኣ ክዕወተላ ኣይክኣለን።
እቲ ኣፍሪቃዊ ተጻወታይ ናብዛ ሽልማት ኣዝዩ ዝቐረበላ ኣብ 2022'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ፈረንሳዊ ካሪም ቤንዚማ ዝተዓወተላ ዓመት፡ ሰኔጋላዊ ሳድዮ ማነ ካልኣይ ኮይኑ ተሮቊሑ።
ብርግጽ ሊዮነል ሜሲን ክርስትያኖ ሮናልዶን ንመብዛሕትኡ ናይዚ ክፍለ ዘመን ሽልማታት ኣብ ክልቲኦም'ዮም ተማቒለሞ።
ካብ 2008 ክሳብ 2023 ካብ ዝነበረ 15 ሽልማታት ባሎን ዲ ኦር ነቲ 13 ልዮነል ሜስን ክሪስትያኖ ሮናልዶን'ዮም ተማቒለሞ።
ኣብ ደረጃ ፊፋ ካብ ዘለዋ ብሉጻት 100 ሃገራት፡ ጋዜጠኛታት ናይተን ሃገራት መን ይተዓወት ኣብ ዝብል ድምጾም ክህቡ'ዮም።
ናይ 2026 ተዓዋቲ እዚ ሽልማተ ከኣ 26 ጥቅምቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝካየድ ናይ ሽልማት ጽንብል መን ምዃኑ ዓለም ክትፈልጥ'ያ።
እዚ ንመበል 70 ዓመት ዝጽንበል ዘሎ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ኣብ ለንደን ክካየድ ዝተመረጸሉ፡ ነቲ ነዚ ሽልማት ንመጀመርታ ግዜ ዝተዓወተሉን ኣብ ለካቲት 2000 ዝሞተን እንግሊዛዊ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ዝነበረ ሰር ስታሊን ማትዉ ንምዝካር'ዩ።
ግን እቲ ታሪኻዊ ቁጽርታት ባሎን ዲ ኦር ንኣፍሪቃ ብኸመይ'ዩ ዝገልጻ?
ጆርጂ ዊሃ፡ ቦኽርን እንኮን ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ እዚ ሽልማት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ታሪኽ ባሎን ዲ ኦር ፡ እታ ጆርጅ ዊሃ ኣብ 1995 ንጀርመናዊ የርገን ክሊንስማንን ፊንላንዳዊ ጃሪ ሊትማነንን ቀዲሙ ዝተዓወተላ ዓመት እታ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ተዓዋቲ እዚ ሽልማት ዝዀነላ ዓመት'ያ።
ኣብታ ዓመት እቲ ሓሙሽተ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኣብ ዝርዝር ዝበለጹ 50 ተጻወትቲ ኣትዮም ነይሮም'ዮም።
ጆርጅ ዊሃ ካብ ኵዕሶ ድሕሪ ምስንባቱ ካብ 2018 ክሳብ 2024 ንሃገሩ ላይበርያ ከም ፕረዚደንት ኮይኑ ክመርሓ ክኢሉ'ዩ።
ድሕሪ እዚ ኣፍሪቃ ኣብ 2007 ጥራይ'ያ ሽዱሽተ ተጻወትታ ምስ ዝበለጹ 50 ሕጹያት ኣትዮም።
ኣብታ ዓመት ዲድየር ድሮግባ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘ ኮይኑ፡ እዚ ኣይቮርያዊ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ምንባሩ ይዝከር።።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ዝኣትውሉ ኣጋጣሚ እናጸበበ ከይዱ።
ካብ 2008 ጀሚሩ ቁጽሪ ነዚ ሽልማት ዝሕጸዩ ካብ 50 ናብ 30 ወሪዱ።
ኣብ መንጎ 2010ን 2015ን ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ምስ ሽልማት ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ፊፋ ብሓደ ክካይድ ምስ ተወሰነ ከኣ እቲ ቁጽሪ ሑጽያት ናብ 23 ወሪዱ።
እታ ካልእ ዝበለጸት ዓመት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ገይርካ ክትውሰድ እትክእል ዓመተ 2019'ያ።
ኣብታ ዓመት ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ምስ ዓሰርተ ዝበለጹ ተጻወትቲ ዓለም እታ ዓመት ተሰሪዖም፡ ሴነጋላዊ ሳድዮ ማነ ራብዓይ፡ ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ሓሙሻይ ኣልጀርያዊ ርያድ ማሃረዝ ከኣ ዓስራይ ኮይኖም ናብ መድረኽ ደይቦም።
ኣየኖት ኣፍሪቃውያን ሃገራት'የን ዝበዝሑ ተጻወትቲ ነዚ ሽልማት ኣርቊሐን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብድምር ኣፍሪቃ ካብ 1995 ጀሚራ 76 ሕጹያት ንሽልማት ባሎን ዲ ኦር ረኺባ ኣላ።
እዚ ድማ ካብቶም ብሓፈሻዊ ነዚ ሽልማት ዝርቍሑ 6.62% ጥራይ ዝውክል'ዩ።
ካሜሮናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ሳሙኤል ኤቶ ዝበዝሐ ነዚ ሽልማት ዝተሓጸየ ኣፍሪቃዊ'ዩ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ግዜ ን9 ተኸታታሊ ዓመታት ንሽልማት ተሓጽዩ።
እተ ብዝበለጸ ነዛ ሽልማት ዝቐረበላ እታ ኣብ 2009 ሓሙሻይ ደረጃ ዝሓዘላ ዓመት'ያ ነይራ።
ዲደር ድሮግባ ሸሞንተ ግዜ፡ መሓመድ ሳላሕ ድማ ብ6 ግዜ ሕጹያት ኮይኖም ብምቕራብ ንሳምኤል ኤቶ ይስዕብዎ።
5 ግዜ ነዚ ሽልማት ዝተሓጸየ ሳድዮ ማነ እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ነዚ ሽልማት ዝተረቖሐ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ'ዩ፡ ሳድዮ ማነ ቅድሚ 10 ዓመት ነዚ ሽልማት ተሓጽዮ ነይሩ'ዩ ሕጂ ከኣ ወዲ 34 ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ነዚ ሽልማት ንመበል ሓሙሻይ ግዜ ተሓጽዩ ኣሎ።
ብድምር ናይጀርያ ኣብዚ ሽልማት ብብዝሒ ዝተሓጽዩ ተጻወትቲ ዘለዉዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ።
ናይጀርያ ብድምር ሸሞንተ ዝተፈላለዩ ተጻወትቲ'ያ ነዚ ሽልማት ኣሕጽያ።
ቪክቶር ኦሲምሄን ኣብ 2023፡ 8ይ ደረጃ ብምሓዝ እቲ ዝበለጸ ብናጀርያውያን ተጻወትቲ ዝተመዝገበ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።
ምምሕያሽ ዝጠልብ ጉዕዞ
ካብ ኣፍሪዋውያን ሃገራት ክሳብ ሕጂ እተን 39 ሃገራት ነዚ ሽልማት ክሕጸ ዝበቐዐ ተጻዋታይ ኣየፍረያን ዘለዋ።
ጫድ ኣብቲ ኣብ 1995 ጆር ዊሃ ዝተዓተሉ ዓመት ኣጥቓዓያ ጃፌት ንዶራም ኣብ ዝርዝር ሓጹያት ኣትዩ ብምንባሩ ምስዘን 39 ሃገራት ኣይተጸብጸበትን።
ኣብ ደረጃታት ፊፋ መበል 43 ከምኡ ከኣ 54 ዝርከባ ደቡብ ኣፍሪቃን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ'ውን ካብተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ባሎን ዲ ኦር ተጻወትታን ንሽልማት ከሕጽያ ዘይክኣላ ሃገራት'የን።
ጆር ዊሃ ኣብ 1995 ነቲ ሽልማት ምስ ተዓወተሉ ካብ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ነቲ ሽልማት ሕጹያት ኮይኖም ንኽቐርቡ ትሽዓት ዓመታት'ዩ ወሲድሎም።
ንባሎን ዲኦር ተጻወትተን ዘሕጸያ ኣፍሪቃውያን ሃገራት
ኣይቮሪኮስት - 15 [ዲደር ድሮግባ 8፡ ያያ ቶረ 5፡ ኮሎ ቶረን ሰበስትያን ሃለርን ሓሓደ ግዜ
- ካሜሮን - 12 [ሳምኤል ኤቶ 9፡ ጀረሚ፡ ፓትሪክ ምቦማን ኣንድሬ ኦናናን ሓሓንሳብ]
- ናይጀርያ - 10 [ጀይ ጄእ ኦካቻ 2፡ ንዋንክዋ ካኑ 2፡ ፊንዲ ጆርጅ፡ ዳንኤል ኣሞካቺ፡ ቪክተር ኢኪፔባ፡ ዳንደ~ይ ኦሊሸ፡ ቪክተር ኦስሜሀን ኣድሞላ ሎክማንን ሓሓንሳብ]
- ሰኔጋል - 8 [ሳድዮ ማነ 5፡ ፓፓ ባውባ ድዮፕ፡ ኢል ሓጂ ድዩፍን ካሊዶ ካሊባሊን ሓሓንሳብ]
- ጋና - 6 [ምኪኤል ኢሰን 3፡ ቶኒ የቦሃ፡ ሳምኤል ኩፈርን ኣሶማሃ ግያንን ሓሓንሳብ]
- ግብጺ - 6 [መሓመድ ሳላሕ 6 ግዜ ]
- ኣልጀርያ - 4 [ርያድ መሓረስ 4 ግዜ]
- ማሊ- 3 [መሓመድ ድያእራ 2፡ ፍረደሪክ ካኑተ ሓንሳብ]
- ጋቦን- 3 [ኢሚሪክ ኣቡምያንግ ግለስተ ግዜ]
- ሞሮኮ - 3 [ኣሽራፍ ሓኪሚ 2 ግዜ ያሲን ባውኑ ሓንሳብ]
- ላይበርያ- 2 (ጆርጅ ዊሃ ክልተ ግዜ ]
- ጫድ - 1 [ጃፌት ንዶራም ጅልት ግዜ]
- ቱኒዝያ - 1 [ሓተም ትራበልሲ ሓንሳብ]
- ቶጎ - 1 (ኢማንኤል ኣዲባዮር ሓንሳብ]
- ጊኒ- 1 [ሰሪሃ ጉይራሲ]
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ተመሳሳሊ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Confederation of African Football
ኣብ 2018 ንደቂ ኣንስትዮ ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ክውሃብ ካብ ዝጅመር ኣርባዕተ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ'የን ምስ ሕጹኣት ተዘርዚረን።
ናይጀርያዊት ኣጥቃዒት ኣሲሳት ኦሾላ እታ ቀዳማይቲ ነዚ ሽልማት ዝተሓጸየት ኣፍሪቃዊት ኮይና ኣብ 2020 ምስ ቀዳሞት ዕስራ፡ ኣብ 2023 ከኣ ምስ ቀዳሞት ሰላሳ ክትበጽሕ ክኢላ ነይራ'ያ።
ዛምብያዊት ባርባራ ባንዳ ሰለስተ ግዜ፡ ማላዊት ተምዋ ቻዊንጋ ክልተ ግዜ ነዚ ሽልማት ዝተሓጸያ ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮ'የን።
ንሽልማት ካብ ዝሕጸያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ዝተሓጸያ ኣፍሪቃውያን ክሳብ ሕጂ ኣይተረኸባን ዘለዋ።
ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ዓለም ነዚ ሽልማት 195 ተጻወትቲ ክሕጸያ እንከለዋ ካብዚኤን 10 ጥራይ'የን ኣፍሪቃውያን።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


