ኣመሪካ፡ ብስናይፐርን ድሮናትን ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ዋይት ሃውስ

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ብሰንበት፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ንዝተኻየደ ውድድር ዩኤፍሲ (UFC) ዒላማ ዝገበረ ውዲት ከም ዝነበረን ኤፍቢኣይ ከም ዘፍሸሎን፡ ሓሙሽተ ሰባት ድማ ከም ዝኣሰረን ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ብሰሉስ ኣፍሊጡ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝገለጽዎ፡ ገለ ክፋል ናይቲ መደብ፡ ብነተጕቲ ዝተጻወዳ ድሮናት ነቶም ኣብ ጥቓኡ ዝርከቡ ህንጻታት ንምህራምን ኣብ ልዕሊ "ልዑል ዋጋ ዘለዎ ዒላማታት" ንምትኳስን ዘጠቓልል እዩ ነይሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ሓደ ጥርጡር ዝተኣስረ ኰይኑ፡ ኣብኡ ድማ መርመርቲ ናይቶም ካልኦት ጥርጡራት መሻርኽቲ ምስጢራዊ (encrypted) መልእኽትታት ረኺቦም።

ኣብ ሰነዳት ክሲ ከም ዝተነጸረ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እቶም ተጠርጠርቲ "ሕሉፍ ሃይማኖታውን ጸረ-መንግስታውን ስምዒታት" ከም ዘንጸባርቑ ገሊጾም ኣለዉ።

ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ካሽ ፓተል፡ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ግዝኣታት ዝተኻየደ ስርሒት" ሰሉስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝጸሓፎ፡ "እቲ ተመዲቡ ዝነበረ መጥቃዕትታት ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

እቶም ጥርጡራት፡ ኣብ ኦሃዮ ዝተኣስረ ወዲ 19 ዓመት ታይሰን ሲ ፕሮፐር፡ ከምኡ'ውን ወዲ 24 ዓመት ብራያን ኦማር ሮኣን ወዲ 32 ዓመት ማይክል ኣላን ቶማስን ካብ ካሊፎርንያ፣ ወዲ 32 ዓመት ዳንኤል ኬ ኤስክሪጅ ካብ ሚዙሪን፡ ወዲ 31 ዓመት ኣብርሃም ሄርሞሲሎ ኣልቫረዝ ካብ ነብራስካን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

እዞም ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ-ግዝኣት ኣመሪካ ዝተኣስሩ ሰባት፡ ኵሎም ብገበን ውዲት ቅትለት ክሲ ከም ዝተመስረተሎም ክፍሊ ፍትሒ ሓቢሩ'ሎ።

ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ እቶም ውዲት ዝኣለሙ ሰባት በተን ድሮናት ተጠቒሞም ራዕዲ ንምፍጣርን፣ ነቶም ዝሃድሙ ሰባት ድማ ናብቶም ጕጅለ ተኰስቲ ስናይፐር ንምምራሕን እዮም መዲቦም ነይሮም። ድሕሪኡ ሓደ "ካልኣይ ማዕበል" ናይ መጥቃዕቲ ጕጅለ፡ ነቲ ኣፍደገ ዋይት ሃውስ ሰይሩ ክኣቱ እዩ ተመዲቡ ነይሩ።

ኣብቲ ሰንበት ብተኸታታሊ ዝተኻየደ ናይ ዕዱማት ጥራይ ዝዀነ ውድድር ኣብ 'ሳውዝ ሎን' ዋይት ሃውስ፡ ብግምት 4,300 ሰባት ተረኺቦም ነይሮም፤ ካልኦት 85,000 ድማ ኣብቲ ከባቢ ኰይኖም ይከታተልዎ ነይሮም።

ምስ ኣልቫረዝ ዝተኣሳሰረ ክስታት ከም ዘመልክቶ፡ እታ ጕጅለ ዒላማ ካብ ዝገበረቶም ውልቀ-ሰባት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ኢሎን ማስክ፡ ከምኡ'ውን ሓያሎ ዝተመርጹ ሰበ-ስልጣን ከም ዝርከቡዎም ኣመልኪቱ። ይዅን እምበር ኵላቶም ኣብቲ ውድድር ኣይተረኽቡን ነይሮም።

እዚ ውዲት ብመንገዲ ፕሮፐር እዩ ተቓሊዑ። ኣደኡ፡ በቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ዕድጊ ብዝሒ ኣጽዋርን፡ ምስ ሓንቲ ብገዳይም ወተሃደራትን ክርስትያናዊ መሰረትን ዘለዎም ዝቘመት ምዃና እትግለጽ ጕጅለ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብን ብምስጋኣ፡ ምሸት 10 ሰነ - ማለት ገለ መዓልታት ቅድሚ እቲ ዓቢይ ፍጻመ - ንከባቢ ኣኽበርቲ ሕጊ ሓቢራ።

እታ ጕጅለ፡ ኣብቲ ውድድር ንዝተረኽቡ "ልዑል ግምት ዝወሃቦም ዒላማታት" - ማለት ሃብታማትን ፖለቲከኛታትን - ብምጥቃዕ ሰውራ "ንምጅማር" መዲባ ከም ዝነበረት ይግለጽ። ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዘመልከትዎ፡ እቶም ጥርጡራት ብፍላይ "ብዛዕባ ብልሽውና መንግስቲ፡ ኣተሓሕዛ ፋይላት ኤፕስተይን፡ ማእከላት-ዳታ ንማይ ናይቲ ማሕበረሰብ ምጽንቃቘምን፡ ካልእ መንግስታዊ ተግባራትን ዘለዎም ጥርዓናት" ተመያይጦም ነይሮም።

ሰነድ ኤፍቢኣይ ከም ዘመልክቶ፡ ኣባላት እታ ጕጅለ "ነታ ናብ ጌጋ ኣንፈት ተምርሕ ኣላ ኢሎም ዝኣመኑላ ኣመሪካ ንምክልኻል" ከም ዝደለዩ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፡ "ኣባላት እታ ጕጅለ፡ ኣመሪካ ዳግማይ ንኽትህነጽ ፈለማ ክትፈርስ ኣለዋ ዝብል እምነት ነይሩዎም፡" ክብል የረድእ።

ፕሮፐር ኣብ 11 ሰነ ንኤፍቢኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣካል ናይቲ መጥቃዕቲ ዝመደበ ጕጅለ ምዃኑ ብምእማን፡ እታ ጕጅለ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቲክቶክ "ቫንጋርድ ኦፍ ዘ ኦልድ" - ኣብ ገለ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ድማ "ቫንጋርድ ኦፍ ዘ ኦልድ ሪፐብሊክ" - ብዝብል ስም ብዝተኸፍተ ጕጅለ ኣቢላ ክትራኸብ ከም ዝጀመረት ሓቢሩ።

እታ ጕጅለ ምስ ዝዀነ ይዅን ዝዓበየን ዝተመስረተን ውድብ ምትእስሳር እንተለዋ ዛጊት ርጉጽ ኣይኰነን። ይዅን እምበር፡ ፕሮፐር ንኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ኣባላት ብቐንዱ ብመንገዲ ቲክቶክ ከም ዝተመልመሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ብኻልኦት ኣባላት "ዝተጻረዩ"ሰባት፡ ናብታ "ሲግናል" ዝተባህለት ምስጢራዊት ናይ መልእኽቲ መለዋወጢት መተግበሪ 'ኣፕሊኬሽን' ይሰጋገሩ ነይሮም። ኣብቲ ቀንዲ መድረኽ ዝርርብ ኣስታት 19 ሰባት ከም ዝነበሩ፣ ብመሰረት ግደኦምን ዝርከቡሉ ቦታን ድማ ናብ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ዝሓቘፉ ንኣሽቱ ጕጅለታት ዝርርብ ከም ዝተመቓቐሉ ኣኽበርቲ ሕጊ የረድኡ።

ቶማስ፡ ነቲ ስርሒት ኣብ ኣርባዕተ ደረጃታት መቒሉዎ ከም ዝነበረ ይግለጽ። እዚ ድማ ካብቲ ሕጊ ብምጥሓስን ብምሕባእን "ንሃገርካ መስዋእቲ ዝኸፍልን ጾር ናይቲ ስርሒት ዝስከምን" ላዕለዋይ ጕጅለ ጀሚሩ፡ ክሳዕ እቲ ገንዘባዊ ደገፍ ዝገብሩ፡ ጽልዋ ዝፈጥሩን ካልኦትን ዝሓቘፈ ብተዛማዲ ንጥፈታቱ ዝወሓደ ራብዓይ ደረጃ ዝዝርጋሕ እዩ ነይሩ።

እቶም ሰነዳት፡ ኣባላት እታ ጕጅለ ንሓያሎ ኣመሪካውያን ሓገግቲን ፍሉጣት መራሕቲ ስራሕን ንምቕታል ዝተመያየጡሎም ካልኦት ዝርርባት ከም ዝነበሩ ይገልጹ።

ገለ ካብቶም ዒላማ ክዀኑ ዝተሓረዩ ሓገግቲ ሕጊ ኣመሪካ፡ "እቶም ሓገግቲ ሕጊ ካብ ንእስራኤል ዝድግፉ ጕጅለታት ጸቕጢ (pro-Israel lobbies) ገንዘብ ተቐቢሎም እዮም ኣብ ዝብል እምነት እታ ጕጅለ ብምምርኳስ" ምዃኑ ይግለጽ። ኤስክሪጅ ድማ ንሓደ ካብኣቶም "ዓብይን መብዛሕትኡ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈልጦን ሰብ" ክብል ከም ዝገለጾ ተሓቢሩ ኣሎ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ ኣልቫረዝ ነቲ ኣብ ዩኤፍሲ ክካየድ ዝተመደበ መጥቃዕቲ ኣብ ምውጣን፡ ምውዳብን ምምራሕን ሓላፍነት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ኣብ ጕዳይ ድሮናት ይሰርሕ ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ እቶም ተጠርጠርቲ ነቶም ዝተመደቡ ቦታታት ስናይፐርን መበገሲ ድሮናትን ዘርእዩ፣ ከምኡ'ውን ንመከፋፈሊታት ጸዓት ኤሌክትሪክ ከም ዒላማታት ዝፈልዩ ካርታታት ከተማ ዋሺንግተን ዘርጊሖም ነይሮም። ኣብቶም ክስታት ዝተታሕዙ ኣሳእል ድማ፡ ታክቲካዊ መዳያት፡ ኣጽዋርን ካርታታትን ዘርእዩ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሑፋት የጠቓልሉ።

ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ዝቐረበ ክሲ፡ "ፕሮፐር፡ ናብቲ ተቓውሞ ንሰባት ክትኵስ ኢሉ ዝኸይድ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ሓያሎ ካልኦት ኣባላት ናይታ ጕጅለ ግን ናይ ዓመጽ ድሌት ነይሩዎም፡ ክብል ገሊጹ፡" ዝብል ሰፊሩ ይርከብ።

ቢቢሲ ምስ ጠበቓ ፕሮፐር ርክብ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ምስዚ ዘይተኣሳሰር መግለጺ ብሰሉስ፡ ምክትል ዳይረክተር ኣገልግሎት ጸጥታ ማት ኲን ብዛዕባ እቲ ዝፈሸለ መጥቃዕቲ ተሓቲቱ፡ "ከቢድ ሓደጋ" ክብል እኳ እንተ ገለጾ፡ እቲ ጕዳይ ኣብ መርመራ ስለ ዘሎ ግን ብዙሕ ዝርዝር ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

ብተወሳኺ እቲ መርመራ ብኸመይ ንህዝቢ ዕላዊ ከም ዝዀነ ዝጐሃየ ይመስል፤ "ኣብ መጀመርታ ሞያይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኒው ዮርክ ዝተመሃርክዋ ሓንቲ ብሂል ክነግረኩም፡ ንሳ ድማ 'ብናይ ባዕልኻ ትኪ ኣይትሕነቕ' እያ፡" ክብል ገሊጹ።

ወሲኹ፡ "ንተኣማንነት ናይቲ መርመራን ጸጥታዊ መደብን ንምሕላው፡ ነቲ ሓበሬታ ከይልሑኽ መሪጽና ነይርና፡" ኢሉ።

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጕጅለ-7 ዝርከብ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እዚ ውዲት ምስ ተሓተተ፡ "ብዛዕባኡ ዝሰማዕኩዎ ነገር የለን፡" ክብል መሊሱ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ነፍሲ-ወከፍ ተጠርጣሪ ብገበን ውዲት ቅትለት እንተ ደኣ ተፈሪዱ፡ ክሳዕ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርትን 250,000 ዶላር መቕጻዕትን ክጽበዮ ይኽእል እዩ። ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ ፕሮፐር ኣብ ልዕሊ እዚ ሰለስተ ተወሳኺ ክስታት ቀሪቡሉ ኣሎ፤ ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ኣብ ቅጽርታት ዋይት ሃውስ ዓመጽ ንምፍጻም ዝግበር ውዲት ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ጥራይ ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከስዕበሉ ይኽእል እዩ።

ናይ መጀመርታ መስርሕ ምስማዕ መርመራ ቤት ፍርዲ ን 29 ሰነ ተታሒዙ ኣሎ።

ዋይት ሃውስ ብሰንበት ከም ኣካል ናይቲ መበል 250 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ እታ ሃገር፡ ኣብቲ "ዘ ክሎው" ዝበሃል ግዳማዊ መድረኽ ተኸታታሊ ውድድራት ዩኤፍሲ (UFC) ኣአንጊዱ ነይሩ።

እዚ ፍጻመ፡ ምስ መበል 80 ዓመት ልደት ትራምፕ ዝተሳነየ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተረኽበሉ መኣዲ ድራር ጋዜጠኛታት ዋይት ሃውስ ዘጋጠመ ተዅሲ ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፣ ከምኡ'ውን ሓደ ሰብ ኣብ መፈተሺ ነቝጣ ዋይት ሃውስ ተዅሲ ድሕሪ ምኽፋቱ ብኣባላት ጸጥታ ዝተቐትለሉ ፍጻመ ሓደ ወርሒ ኣሕሊፉ እዩ ዝካየድ ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ስቴት ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝዀነት ኤሪካ ፍራንዝ ንቢቢሲ ከም ዝገለጸቶ፡ ፖለቲካዊ ዓመጽ ኣብ ኣመሪካ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ብምባል፡ "ዑደታዊ ባህሪ ኣለዎ፣ ሓደ ዓመጽ ንኻልእ ዓመጽ እዩ ዝወልድ፡" ክትብል ገሊጻ።

ሃገራዊ ውህደት ንመጽናዕቲ ግብረ-ሽበራን ግብረ-መልስታቱን ከም ዘረጋገጾ፡ ዒላማ ዝገበረ ዓመጽ ኣብ ኣመሪካ ካብ 2024 ክሳዕ 2025 ብልዕሊ 30% ወሲኹ ኣሎ።

ፍራንዝ "መሰረት ዘይብሉ ናይ ውዲት ክልሰ-ሓሳባትን ኣኽራሪ ኣረኣእያታትን ዘሰጕሙ ቅሬታ ዝመልኦም ኣባላት ሕብረተሰብ ወትሩ ኣይስኣኑን እዮም፡" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ "ነዚ ፍጻመ ካብቲ ፍሉይ ደርኺቱ ንላዕሊ፡ እቲ ንሰባት ናብዚ ጫፍ ዝደፍእ ዘሎ ማሕበራዊ ሓይልታት እዩ ዝያዳ ዘተሓሳስበኒ፡" ክትብል ኣረዲኣ።