ብዛዕባ እቲ ካብ ጽንብል ናብ ሓዘን ዝተቐየረ መጥቃዕቲ በርሊን እንታይ ንፈልጥ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቀዳም ምሸት ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ "ኵርዓት (Pride)" ሰልፊ፡ ሓደ ውልቀሰብ መኪና እናዘወረ ናብቶም ተኣከብቲ ብምእታው ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ክትቅተል ከላ፡ እንተ ወሓደ 29 ሰባት ድማ ቈሲሎም።

ሰበስልጣን ጀርመን እቲ ፍጻመ፡ "እስላማዊ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ" ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ወዲ 21 ዓመት ዓብዱል ባሉት ዝተባህለ ተጠርጣሪ፡ ኣብ ምዕራብ በርሊን ካብ ፖሊስ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።

ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝን ነቲ ፍጻመ "ኣሰቃቒ" ክብል ኰኒኑዎ።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ተፈሊጡ ዘሎ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ እዩ፤

ኣብቲ መጥቃዕቲ እንታይ ተፈጺሙ?

እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ዓዲ ኣስታት 10:00 (20:00 GMT) እዩ ተፈጺሙ።

ሓንቲ ጻዕዳ መኪና ኣብታ ርእሰ-ከተማ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጽምብል ናብቶም ተኣከብቲ ከም ዝኣተወት ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር።

ኣብቲ 'ክሪስቶፈር ስትሪት ደይ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመታዊ ጽምብል፡ ኣብ ጥቓ እቲ ውሩይ 'ብራንደንበርግ ጌት' (Brandenburg Gate) ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ቲየርጋርተን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም።

ሰበስልጣን ከም ዝገለጽዎ፡ ገለ ሰባት ብጐዞሞ ተወጊኦም እዮም።

እቲ ፍጻመ ምስ ተኸስተ፡ እቲ ጽምብል ብቕጽበት ተሰሪዙ። ኣዳለውቲ እቲ መደብ ናብ መድረኽ ብምውጻእ፡ እቲ ህዝቢ ክወጽእ ኣዚዞም።

ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ ዓቢ ስክሪን ድማ "ምውጻእ" (Evacuation) ዝብል ጽሑፍ የርኢ ነይሩ።

ቅኑዕነቱ ዘይተረጋገጸ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ተሽከርከርቲ ህጹጽ ረድኤት ናብቲ ቦታ ክጓየያ ከለዋ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብቲ ቦታ ክሃድም ይርአ።

ፖሊስ ጸኒሑ እታ መኪና ኣብ ገረብ ተላቲማ ከም ዝረኸባን ብኽራይ ዝተወስደት ምዃናን ኣረጋጊጹ።

ፖሊስ ኣብ መላእ እታ ከተማ ሰፊሕ ሃድን ድሕሪ ምክያዱ፡ እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ምዕራብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ስፓንዳው፡ ንፖሊስ ብኻራ ክወግእ ምስ ፈተነ ብዝተኸፍተሉ ተዅሲ ተቐቲሉ ኣሎ።

እቲ ተጠርጣሪ መን እዩ?

እቲ ተጠርጣሪ ዓብዱል ባሉት ዝተባህለ ጀርመናዊ ዜግነት ዘለዎ ሊባኖሳዊ ዝመበቈሉ እዩ። ብኣኽራርነት ዝተለኸፈን ብፖሊስ ዝፍለጥን ከም ዝነበረ ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ በርሊን ከም ዝገለጾ፡ ባሉት ዝሓለፈ ናይ ገበን ታሪኽ ነይርዎ እዩ።

ኣብ ግንቦት 2025 ናብ ሶርያ ብምኻድ ምስ ጕጅለ 'ዳዕሽ' ንምጽንባር ብቱርኪ ኣቢሉ ናብ ሊባኖስ ድሕሪ ምጓዓዙ፡ ኣብኡ ምስ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ጕጅለ እዮም ዝበሎም ውልቀሰባት ርክብ ፈጢሩ ነይሩ።

በዚ ድማ ኣብ ሓምለ 2025 ኣብ ሊባኖስ ተታሒዙ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተፈሪዱ።

ድሕሪኡ ኣብ ሕዳር 2025 ናብ ጀርመን ምስ ተመልሰ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ በርሊን ብኡንብኡ ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሑ።

ኣብ ግንቦት ናይዚ ዓመት'ዚ ድማ "ንሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከቢድ ናይ ዓመጽ ተግባር ብምድላው" ናይ ሓደ ዓመትን ዓሰርተ ኣዋርሕን ማእሰርቲ ተፈሪዱ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ውሳነ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ተሰጋጊሩ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ክመላለስ ጸኒሑ እዩ።

ባሉት ቅድሚ እዚ'ውን ኣብ 2022 ብመጥቃዕትን ራስያን፡ ኣብ 2020 ድማ ናይ እዝኒ መጕልሒ ድምጺ ብምስራቕ ተኸሲሱ ነይሩ።

ዓለምለኻዊ ግብረ-መልሲ

መራሕቲ ኤውሮጳ ነቲ መጥቃዕቲ ብቕጽበት ኰኒኖሞ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ላየን፡ እቲ ናይ ኵርዓት ጽምብል ንመሰረታዊ ክብርታት ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀኑ "ናጽነት፡ ክብረትን ማዕርነትን" ዝውክል ምዃኑ ብምጥቃስ መርገጺኣ ገሊጻ።

ቀዳማይ ምኒስተር ነዘርላንድስ ሮብ ጀተን፡ "ምስ ጐረባብትና ጀርመናውያን ብሓባር ንቃለስ" ክብል ከሎ፡ ቀዳመይቲ ምኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ድማ ናይ ሓድነትን ምሳኹም ኣለናን መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ ወስ ስትሪቲንግ ብወገኑ፡ ነቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ሓደጋ" ክብል ገሊጽዎ።