ትራምፕ፡ ኢራን ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ክትኣምን 'ፈሪሓ'ያ ክብል ከሎ፡ ቴህራን ነጺጋቶ
ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ኢራን ምስ ኣመሪካ ይዘራረቡ ከም ዘለዉ ንምእማን "ፈሪሖም" ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን "ንሕጂ ክትዘራረብ ሓሳብ ከም ዘይብላን" እታ ሃገር ንነብሳ "ክትከላኸል" ምዃናን ድሕሪ ምግላጹ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።
ጽማቝ ሓበሬታ
- ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
- ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
- "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
- ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
- ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ
