ቀጥታ, ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሊባኖስን ተናዊሑ፤ ትራምፕ ምስ ኢራን ንዝግበር ስምምዕ ግን "ኣይህወኸሉን'የ" ኢሉ

ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘ዝዀነ ዝገበርኩዎ ዘበለ፡ እምብዛ ጽቡቕ ውጽኢት ዘምጽእ ዘሎ እዩ ዝመስል’ ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
  • ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
  • "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ትራምፕ ኣፍሊጡ።
  • ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ። እንተዀነ፡ "ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።
  • ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።ሉፍታንዛ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ልኡኽ ኢራን ናብ ፓኪስታን ክብገስ'ዩ

    ዓባስ ኣራግቺ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ዓባስ ኣራግቺ ናብ ሙስካትን ሞስኮን ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ

    ኢራን፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ፓኪስታን ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ።

    ዓባስ ኣራግቺ ሎሚ ለይቲ ናብታ መዲና ዘተ ሰላም ኢራንን ኣመሪካን ኮይና ዘላ ኢስላማባድ ክብገስ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ናብ ሙስካትን ሞስኮን ብምብጻሕ'ውን ምስ ሰበስልጣን ዖማንን ሩስያን ብዛዕባ ኲናትን ካልእ ክልተኣዊ ጉዳያትን ክዝቲ ምዃኑ ቴህራን ኣፍሊጣ'ላ።

    እቲ ብወገን መንግስቲ ኢራን ብመንገዲ ኤክስ ዝተዋህበ ሓበሬታ ብዛዕባ ዘተ ሰላም ኣይጠቐሰን።

    ምስ ወከልቲ ኢራን ንምዝርራብ ናብ ፓኪስታን ክመለስ'ዩ ክብሃለሉ ዝቐነየ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ-ዲ ቫንስ ናብ ኢስላማባድ ብዛዕባ ምብጋሱ ግን ኣይተነጸረን ዘሎ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ንዘይተወሰነ እዋን ከምዘናውሖ ይፍለጥ።

    ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ መራሕቲ ኲናት ኣመሪካ ብወገኖም፡ ኢራን "ለባም ምርጫ" ብምውሳድ ንዘተ ቅርብቲ ክትከውን ብምምካር ሓይልታቶም ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ንዳግማይ ኲናት ድሉዋት ምዃኖም ኣጠንቂቖም።

    ጸሓፊ (ሚኒስተር) ኲናት ፒት ሄግሰት ከምዝበሎ ኣመሪካ ኣዊጃቶ ዘላ ንገለ ካብን ናብን ወደባት ኢራን ዝጓዓዛ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ ዕግታ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ይሕይልን ይሰፍሕን ኣሎ።

    ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ ጀነራል ዳን ኬን እውን፡ ዝተወሰና መራኽብ ይሓልፋ ከምዘለዋ ብምእማን፡ ቴህራን ንስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ብምጥሓስ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ፈንጂ ማይ ተጻውድ ኣላ ክብል ከሲሱ። ሓይልታቱ 34 መራኽብ ንግዲ ከምዝመለሱ'ውን እቲ ኣቦመንበር ሓለቓታት ጠቕላሊ ስታፍ ሓቢሩ'ሎ።

  2. ሩብዮ፡ ኢራን ካብ ሱታፈ ዋንጫ ዓለም ኣይተኸልከለትን

    ኣብ 2022 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2022 ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢራን

    ኣብ ቤትጽሕፈት 'ኦቫል' ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ፡ ኢራናውያን ስፖርተኛታት ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ክሳተፉ ከም ዘይክእሉ ካብ ወገን ኣመሪካ ዝነገሮም ሰብ ከም ዘየሎ ገሊጹ።

    ኢራን ኣብቲ ግጥማት ንኸይትሳተፍ፡ ኣብ ክንድኣ ድማ ኢጣልያ ክትትካእ ትኽእል እያ ዝብል ግምታት ከም ዝነበረ ዝጠቐሰ ሩብዮ፡ ኢራን እንተ ዘይመጺኣ ግን ምርጫኣ ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።

    ኢራን ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኣብ ምስታፋ ዘሎ ጸገም እቶም ስፖርተኛታት ዘይኰኑስ፡ እቶም ምስኣቶም ሒዛቶም ክትመጽእ እትኽእል ሰባት ምዃኖም ኣገንዚቡ።

    "እቲ ክገብርዎ ዘይክእሉ፡ ብዙሓት ግብረ-ሽበራውያን 'ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን' ከም ጋዜጠኛታትን ኣሰልጠንቲ ስፖርትን ኣምሲሎም ናብ ሃገርና ሒዞሞም ክመጽኡ ኣይፍቀድን እዩ፡" ኢሉ።

  3. ትራምፕ፡ ኣመሪካ ምስ ሊባኖስ ብምዃን "ካብ ሕዝቦላህ ንምክልኻል" ክትሕግዝ እያ

    ትራምፕ ምስ ምክትሉን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢን ከምኡ'ውን ኣምባሳደራት እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ኦቫል ኦፊስ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ዝተረኽብሉ ኣኼባ "ኣዝዩ ጽቡቕ" ከም ዝነበረ ገሊጹ።

    "ኣመሪካ፡ ሊባኖስ ካብ ሕዝቦላህ ርእሳ ንኽትከላኸል ንምሕጋዝ ምስኣ ክትሰርሕ እያ፡" ክብል ጽሒፉ።

    ኣብዚ "ታሪኻዊ ኣኼባ" ተሳታፊ ምዃኑ "ዓቢ ክብሪ" ከም ዝስምዖ ዝገለጸ ትራምፕ፡ ንቐዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ንፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውንን ኣብ ዝመጽእ ንኸአንግዶም ብሃንቀውታ ከም ዝጽበ ኣፍሊጡ።

    እቶም ላዕለዎት ተዛተይቲ ናይ ነፍሲወከፍ ሃገር፡ ኣብ ቤትጽሕፈት 'ኦቫል' ምስ ትራምፕ፡ ቫንስን ሩብዮን ብሓባር ኰይኖም ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ነቲ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብምንዋሑ ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም።

    ኣምባሳደር ሊባኖስ ኣብ ኣመሪካ ናዳ ሓማደ ሙዓዋድ፡ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣመሪካ የኪኤል ላይተር፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሊባኖስ ሚሸል ኢሳ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ፡ ነፍሲወከፎም ንትራምፕ ኣብቲ ዘተ ንዝተጻወቶ ተራ ንኢዶም።

    ላይተር፡ "ክቡር ፕረዚደንት፡ ብሳላ እቲ ንስኻ ዝገበርካዮ ሓያል መሪሕነት ኢራን ኣዝያ ስለ ዝደኸመት፡ ሕጂ ንሕዝቦላህ ንምድኻምን ንሊባኖስ ካብ ወራሮም ናጻ ንምውጻእን ዘሎ ተኽእሎ ናይ ሓቂ ኰይኑ ኣሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ እስራኤልን ሊባኖስን ነታ ሃገር ካብቲ "ሕዝቦላህ ዝበሃል ሕማቕ ጽልዋ፡" ንምንጋፍ ሓባራዊ ዕላማ ከም ዘለወን ኣገንዚቡ።

    ሃካቢ ብወገኑ ንሕዝቦላህ፡ ኣብ ሓደ ሰፈር ኰይኑ ናብ መስኮት ኵሎም ጐረባብቲ እምኒ ምስ ዝድርቢ ቈልዓ ኣመሳሲሉዎ። "እቲ ቈልዓ ደው ምስ ዝብል፡ ከም ሊባኖስን እስራኤልን ዝኣመሰሉ ጐረባብቲ ብሰላም ክነብሩ ይኽእሉ እዮም፡" ኢሉ።

  4. ምቍራጽ ተዅሲ ሊባኖስ '100% ውሑስ ኣይኰነን' - እስራኤል

    ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተሓዲሱ ዘሎ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን ዘሎ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ከም ዝኽእል ርግጸኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

    ዳኒ ዳኖን ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "መንግስቲ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዝዀነ ዓይነት ቍጽጽር የብሉን፡" ኢሉ። ወሲኹ ድማ፡ "ሕዝቦላህ ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንምዕንቃፍ ኢሉ ሮኬታት ይትኵስ ኣሎ፤ እስራኤል ድማ ግብረ-መልሲ ክትህብ ትግደድ እያ። ስግኣት ኣብ ዝረኣናሉ ኵሉ ግዜ ስጕምቲ ንወስድ ኢና፡" ብምባል ኣገንዚቡ።

    እዚ ርእይቶኡ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣምባሳደራት እስራኤልን ሊባኖስን ኣብ ዋይት ሃውስ ተረኺቦም፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝነበረ ናይ 10 መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ ንተወሳኺ ሰለስተ ሰሙን ከም ዝተናወሐ ድሕሪ ምእዋጁ እዩ።

    ዳኖን ነቲ ሓድሽ ስምምዕ ብዝተመልከት፡ "100% ውሑስ ኣይኰነን" ድሕሪ ምባል፡ "ሰራዊት ሊባኖስ ነዚ ምቍራጽ ተዅሲ ብግብሪ ከተግብሮን ከኽብሮን ክኽእል ተስፋ እገብር፡" ኢሉ።

  5. ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ኣመሪካን ኢራንን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሳ ጸዊዖም

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ እናተዛረቡ ዘርኢ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፡ ኣመሪካን ኢራንን ነቲ ኲናት ንምብቃዕ ዝዓለመ ዘተ ሰላም ክቕጽልኦ ተማሕጺኖም። እቲ ግጭት "ኣብ ኢራን ዝርከቡ ብዝሒ ዘለዎም ንጹሃን ሰባት ንመከራ ኣቃሊዑዎም እዩ፡" ኢሎም።

    እዞም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ስርሒት ብትሪ ካብ ዝነቐፉ ሰባት ሓደ እዮም።

    ስለዚ እዚ ሕጂ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብርቱዕ ናይ ቃላት ምልልስ ድሕሪ ምክያዶም ዝመጽእ ዘሎ እዩ። ትራምፕ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ጳጳስ ነዊሕ ነቐፌታዊ ጽሑፍ ምልጣፉ ይዝከር።

    ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝገበሩዎ ዑደት ተመሊሶም ናብ ሮማ ብነፋሪት ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፡ "ኵሎም ወገናት ሰላም ንምንጋስ፡ ስግኣት ኲናት ንምውጋድን ኣህጉራዊ ሕጊ ንምኽባርን ዝከኣሎም ኵሉ ጻዕሪ ክገብሩን እቲ ዘተ ሰላም ክቕጽልን አተባብዕ ኣለኹ፡" ኢሎም።

    ወሲኾም ድማ፡ "ከም ጓሳ መጠን፡ ወገን ኲናት ክኸውን ኣይክእልን እየ፤ ኵሉ ሰብ ድማ ካብ ጽልእን ምክፍፋልን ዘይኰነስ፡ ካብ ባህሊ ሰላም ዝምንጩ መልስታት ንምድላይ ጻዕሪ ክገብር አተባብዕ፡" ኢሎም።

    ኣብቲ እዋን፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሊባኖስ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን፡ "እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሊዮ" ዝብል ጽሑፍ ሒዙ ዝተሳእለ ናይ ሓደ ሙስሊም ቈልዓ ስእሊ ወትሩ ሒዞም ከም ዝዘሩ ገሊጾም።

    እቶም ጳጳስ ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ክዛረቡ ከለዉ፡ "ኣብዚ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ኲናት ተቐቲሉ እዩ፡" ኢሎም።

  6. መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ 20,000 በረራታት ክስርሕዝ'ዩ

    ደው ዝበላ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ጀርመናዊ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ 20,000 ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳ ዝካየድ ሓጸርቲ በረራታት ክስርዝ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

    ሓደ ካብ ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ኣውሮጳ ዝኾነ ሉፍታንዛ፡ እቲ ስጉምቲ 40,000 ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ክዕቅብ ከምዘኽእሎ ሓቢሩ።

    ኲናት እስራኤልን ኣመሪካን ምስ ኢራን ካብ ዝውላዕ ንድሓር ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ (ጀት ፍዩል) ብዕጽፊ ወሲኹ'ሎ።

    ሃገራት ወሽመጥ ቀንዲ ምንጪ ናይቲ ዓይነት ነዳዲ ምዃነን ይፍለጥ።

    ዓለምለኻዊ ትካል ጸዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ነዳዲ ነፈርቲ ካብ ሰሙናት ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    እዚ ኣብ ክረምቲ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ምስራዝ በረራታት ሉፍታንዛ ንዋጋ ትኬታት ዝያዳ ከንህሮ ከምዝኽእል ይግመት። ክረምቲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝዕጸውሉ ናይ መገሻ ወቕቲ ምዃኑ ይፍለጥ።

  7. ሓይልታት ኢራን ንመራኽብ ንግዲ የጥቅዑን ይሕዙን ኣለዉ

    መጻብቦ ሆርሙዝ

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

    ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክልተ መራኽብ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።

    ሓደ ብሪጣንያዊ ትካል ስርሒታት ንግዲ ባሕሪ (UKMTO) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓንቲ "ብረት ዝዓጠቐት ጃልባ" ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ናብ ሓንቲ ኮንቴነራት ዝጸዓነት መርከብ ንግዲ ከምዝተኮሰት የመልክት።

    መራሒ ናይታ ባንዴራ ግሪኽ ዝሰቐለት መርከብ 'ኢፓሚኖንዳስ' መጠንቀቕታ ከምዘይተዋህቦ'ኳ እንተገለጸ፡ ምስቶም ጸግዒ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዘለዎ ማዕከን ዜና ኑር ኒውስ ግን፡ እታ መርከብ "ዝተዋህባ መጠንቀቕታ ዕሽሽ" ከምዝበለት ገሊጹ'ሎ።

    ናብ ወሽመጥ ዖማን ኣንፈት ትወጽእ ዝነበረት ካልእ መርከብ'ውን፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዒላማ ሓይሊታት ኢራን ከምዝኾነት ጸብጻባት ሓቢሮም።

    'ቫንጋርድ' ዝተባህለ ትካል ስለያ ባሕሪ ከምዝበሎ፡ እታ መልህቓ ከተወርድ ዝተገደደት 'ፍራንቸስካ' ዝተባህለት ባንዴራ ፓናማ ዝቐለት መርከብ፡ ጉድኣት ወሪዱዋ ከምዘሎ ሓቢራ ኣላ።

    'ዩፎሪያ' ዝተባህለት ካልእ መርከብ'ውን ግዳይ መጥቃዕቲ ኢራን ከምዝኾነት ተፈሊጡ ኣሎ። እንተኾነ ኣብታ ባንዴራ ፓናማ ዝሰቐለትን ናብ ጂዳ፡ ስዑዲ ዓረብ ትኸይድ ዝነበረት መርከብ ጽዕነት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ'ዩ ዝግለጽ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ከካይድኦ ዝጸንሓ ኲናት ዘህድአ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንደገና ከናውሖ'ኳ እንተወሰነ፡ ኣብ ኣፍደገ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣወጆ ዕግታ መራኽብ ንግዲ ክቕጽል ምዃኑ'ዩ ኣፍሊጡ።

    ንዕጽዋ ኣመሪካ ዝተቓወመት ኢራን ብወገና፡ ናብቲ ኣፍኲሳቶ ዝነበረት ፖሊሲኣ ተመሊሳ ነቲ መጻብቦ ከምዝዓጸወቶ ብምፍላጥ ክሓልፋ ዝፈተና መራኽብ ንግዲ ከተጥቅዕ ጀሚራ ኣላ።

    ብኻልእ ወገን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተበጽሐ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተዂሲ ንምንዋሕ ልዝብ ይግበር ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

  8. ኣመሪካ፡ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ተሰጋግር እያ ዝተባህለት ኢራናዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ

    ሓደ ብረት ብየማናይ ኢዱ ዝሓዘ ወተሃደር ብማእከል ኣብ ኲናት ዝዓነዋ ሲቪላውያን መካይን እናሓለፈ

    ምንጪ ስእሊ, Avaaz via Getty Images

    ሰብመዚ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ተሰጋግር'ያ ንዝበልዋ ሓንቲ ኢራናዊት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።

    ጓል 44 ዓመት ሻሚም ማፊ፡ ናይ ኣመሪካ ቀዋሚ መንበሪ (ግሪን ካርድ) ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ያ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተታሒዛ።

    "ድሮናት፡ ቦምባታት፡ ቀለቤት ቦምባታት፡ ከምኡ'ውን ብሚልዮናት ዝቑጸር ኣብ ኢራን ዝተሰርሐ ጠያይቲ ናብ ሱዳን ኣብ ምሻጥ ከም ደላሊት" ከምዝተዋስአት'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ከሲሶም ዘለዉ።

    ብመሰረት እቲ ክሲ፡ መሸጣ ናይቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ናይ 70 ሚልዮን ዶላር ውዕል ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ዘጠቓለለ እዩ።

    እታ ኢራናዊት ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወሰነቶ እገዳ መሸጣ ንብረት ኢራን ጥሒሳ ተባሂላ'ያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዘላ። ማፊ፡ ብዛዕባ ዝቐረበላ ክሲ ዛጊት ዝሃበቶ ግብረመልሲ የለን።

    ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ቱርኪ ክትበርር ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን'ያ ተታሒዛ።

    ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝብሎ፡ ስርሓት ሰርቢያ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ቱርኪን የመንን ዝኾነ ብረታት ኣብቲ ደማዊ ኲናት ሱዳን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ።

    ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ'ያ ተባሂላ ዘይትኣደነ መርትዖታት ዝቐርበላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንዝቐርበላ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

  9. ሶፊያ፡ ገስጋሲ ሰልፊ ቡልጋሪያ ተዓዊቱ

    ሩመን ራደቭ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ሩመን ራደቭ "ሓያል ቡልጋሪያ ኣብ ሓያል ሕብረት ኣውሮጳ" ንምህናጽ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ

    ኣብ ቡልጋሪያ ኣብ ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ ምርጫ ተቓዋሚ ሰልፊ 'ገስጋሲት ቡልጋሪያ' ተዓዊቱ።

    እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ 44.7 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ'ዩ ዝበዝሐ መናብር ረኺቡ ዘሎ።

    ድሕሪ 1997 ንፈለን እዋን'ዩ ሓደ ሰልፊ ክንድዚ (135) መናብር ብምዕዋት ዓብላሊ ቦታ ክሕዝ በቒዑ ዘሎ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ መራሒ ናይቲ ዕዉት ሰልፊ ሩመን ራደቭ "ሓያል ቡልጋሪያ ኣብ ሓያል ሕብረት ኣውሮጳ" ንምህናጽ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

    እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳታት ክነቅፍ ዝጸንሐ ራደቭ፡ ምስ ሞስኮ ሃናጺ ልዝብ ክካይድ'ዩ ዝጠልብ።

    ሰራዊት ቡልጋሪያን ንዩክረይን ዝህቦ ደገፍ ክቃወም'ኳ እንተጸንሐ፡ ምስ ብራስለስ ክራጸም ከምዘይደሊ'ዩ ዝፍለጥ።

  10. ንሓወልቲ ምስሊ ክርስቶስ ዘዕነወ ወተሃደር እስራኤል ቁጠዐ ፈጢሩ

    ወተሃደር እስራኤል ንሓደ ዝፈረሰ ሓወልቲ ክርስቶስ ብማሳ እናደርዓመ

    ሓደ ካብቶም ናብ ደቡብ ሊባኖስ ዝኣተዉ ሓይልታት ዝኾነ ወተሃደር እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ንዝጸንሖ ሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብምፍራስ ከርክሶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተራእዩ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእሊ ከምዘነጽሮ፡ እቲ ወተሃደር ነቲ ዝወደቐ ሓወልቲ ብማሳ ክድርዕሞ ይርአ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ወተሃደር "ቅልጡፍ፡ ተሪርን ህዝባዊን" መቕጻዕቲ ክውሳድ ጸዊዑ ነይሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብወገኑ፡ ንምፍራስ ናይቲ "ካቶሊካዊ ሃይማኖታዊ ምስሊ" ኣትሪሩ ከምዝኹንኖ ገሊጹ'ሎ።

    በንጃሚን ነታንያሁ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቶም ኣዝዮም ዝበዝሑ እስራኤላውያን" በቲ ፍጻመ "ከምዝሰንበዱን ከምዝሓዘኑን" ገሊጹ።

    ዝምልከቶም ሓለፍቲ ሰራዊት ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ብምሕባር ድማ፡ እቲ ወተሃደር "ዝግብኦ ተሪር ዲስፕሊናዊ ስጉምቲ" ክውሰደሉ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

    "እስራኤል ኣብ ማእከእላይ ምብራቕ ናይ ኩሉ ናጽነት ኣምልኾ እተኽበር እንኮ ሃገር እያ። በቲ ፍጻመን ዘስዓቦ ዝኾነ ጓሂን ዝተሰመዓና ጣዕሳ ንገልጽ" ይብል ነታንያሁ።

    ብባንዴራ እስራኤል ዝተዓጀበ በንጃሚን ነታንያሁ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  11. ኣመሪካ መርከብ ትዓግት - ኢራን ሓድሽ ሕጊ መጻብቦ ሆርሙዝ ተቕርብ

    ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ ናብ ኢራን ዝግበር ምንቅስቓስ ዝዓገተት ኣመሪካ፡ ባንዴራ ኢራን እተውለብልብ ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝዓገተት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።ኢራን ብወገና ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ቍጽጽር ፈጺማ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    መከብ ኣመሪካ

    ምንጪ ስእሊ, US Central Command/X

  12. ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መርከባት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺማ

    ሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ባንዴራ ኢራን ዘንበልበለትመርከብ ንግዲ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ኢራን ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መርከባት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ከም ጸብጻብ ናብ መንግስቲ ዝውግን ማዕከን ዜና ታስኒም፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማያት ባሕሪ ዖማን እዩ ተኻይዱ።

    ይዅን እምበር፡ ዛጊት በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝወረደ ዕንወት ጸብጻብ ኣይቀረበን።

    ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መምርሒ ኢራን ኻታም አል-ኣንቢያ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ጥሕሰት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ነዚ ብሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሽፍትነት ባሕሪ ሕነ ክንፈዲ ኢና፡" ክብል ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

    ባሕሪ ዖማን
  13. ‘ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ’ — ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች

    ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኬነት ሮዝ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ፡ ዳግማይ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን እታ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ኣፈራሪሑ ኣሎ።

    ናይ ቀደም ሓላፊ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኬነት ሮዝ፡ እዚ ተግባር’ዚ ምስ ገበን ኲናት ዝቝጸር ምዃኑ ይገልጽ።

    ሮዝ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ትራምፕ ዓበይቲ ገበናት ኲናት ንምፍጻም የፈራርሕ ኣሎ፡" ኢሉ።

    ቀጺሉ፡ “ንሱ [ትራምፕ] ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታት ኣይክተልን እየ ይብል ይኸውን፤ እንተዀነ መንግስቲ ኣመሪካን ኵላ ዓለምን ነዚ ሕጊ እዚ ከም ዝስዕቡ እዮም ዝገልጹ። እዚ ሕጊ ድማ ከም መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ዝኣመሰሉ ሰላማውያን ዜጋታት ዝጥቀሙሎም ትካላት ዒላማ ምግባር ይኽልክል እዩ።”

    ሮዝ ከም ዝገለጾ፡ ትራምፕ እዞም መደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ወተሃደራት’ውን ስለ ዝጥቀሙሎም፡ "ተውለኣዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት" (dual-use objects) እዮም ብምባል ክከራኸር ይኽእል እዩ፡ "እዚ ግን መወዳእታ ናይቲ ዛንታ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

    "ሰብኣዊ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዝወርድ ጉድኣት ካብቲ ዝድለ ወተሃደራዊ ረብሓ ኣዝዩ ዝዓበየ ምስ ዝኸውን፡ ዋላ ወተሃደራዊ ዒላማ እኳ እንተዀነ መጥቃዕቲ ከይፍጸመሉ ይእዝዝ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

    ኣብ ሕቡራትሃገራት ኣምባሳደር ኣመሪካ ማይክ ዋልትዝ ብወገኑ፡ እዚ ተግባር’ዚ ገበን ኲናት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ፡ "ጌጋን፡ ስኑዕን መስሓቕን" ምዃኑ ገሊጹ። እቶም ትካላት "ሕጋዊ ወተሃደራዊ ዒላማታት" ምዃኖም ኣስሚርሉ ኣሎ።

  14. ትራምፕ ቃናኡ ቀይሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓያል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ኢራን ዝግበር ስምምዕ ኣብ ቀረባ ከም ዝፍጸም ተስፋ ብዝመልኦ መንገዲ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ሎሚ ግን፡ ነቲ ሓይለ-ቓል ኣዘራርባኡ ብምቕጻል፡ ንመደበራት ኤለክትሪክን ድልድላትን ኢራን ዳግማይ “ከም ዘፍርሶም” ኣፈራሪሑ ኣሎ።

    “ስትራተጂ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ስምምዕ ንምርካብ፡ ብናይ ባሕሪ ዕጽዋን ተወሳኺ እገዳታትን ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ቍጠባዊ ጸቕጢ ምቕጻል ዝዓለመ ይመስል።

    እዚ ናይ መወዳእታ ምፍርራሕ፡ ኣብዚ ዘተን ተዅሲ ደው ምባልን ተነቃፊ ኰይንሉ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ተኣፋፊ ብምግባር ናብ ዘይርጉእ ሃዋህው ናይ ምእታው ዕድሉ ክብ የብሎ።

    ኢራን ኣብቲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ወይ ዘይምዃና ዛጊት ኣይተረጋገጸን፤ ስለዚ ኣብ ዝስዕብ መዓልታት ዲፕሎማሲ ክቕጽል ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ንምውሳን ወሰንቲ ክዀና እየን።

    ዋይትሃውስ ነቲ ዝመጽእ ዙር ዘተ፡ ናብ ምሉእ ዞባዊ ኲናት ቅድሚ ምእታዉ፡ ከም ናይ መወዳእታ ዲፕሎማስያዊ መዋጽኦ ገይሩ ይገልጾ ኣሎ።

  15. ኢራን ሕነ ክትፈዲ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ፣ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓደጋ

    ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢራን ኻታም አል-ኣንቢያ፡ ኣመሪካ ባንዴራ ኢራን ዘንበልበለት ናይ ጽዕነት መርከብ ብምቍጽጻራ ኢራን ግቡእ ምላሽ ክትህብ ምዃና ብምግላጽ፡ እቲ ስጕምቲ "ጥሕሰት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል" ምዃኑ ገሊጹ።

    መንግስታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሓደ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ከም ዝሓበራኦ፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ብምጥሓስ፡ ኣብ ባሕሪ ዖማን ኣብ እትርከብ ናይ ንግዲ መርከብ ኢራን ተዅሲ ከፊታ። ብተወሳኺ፡ ስርዓተ-ጕዕዞ እታ መርከብ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ድሕሪ ምግባር፡ ንኣባላት ብምውራድ ነታ መርከብ ከም ዝተቘጻጸረታ ገሊጸን።

    እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ዕጡቓት ሓይልታት ኢስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን፡ ነዚ ብሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ዕጥቃዊ ቅርሰና ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ግቡእ ምላሽ ክህብሉን ሕነ ክፈድዩን እዮም፡" ይብል።

  16. ኢራን ክልተ ነዳዲ ዝጽዓና መራኽብ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ መሊሳ

    ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ “ኣብ ባሕሪ ኢራን ድሕሪ ዝቐጸለ እገዳ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ሎሚ ክልተ ተወሳኺ መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይሓልፋ ንድሕሪት መሊሶም፡” ክብል ብሰንበት ገሊጹ።

    ታስኒም፡ እዘን ክልተ መራኽብ፡ "ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ቦትስዋናን ኣንጎላን ዝጓዓዛ ዝነበራ"፡ እኳ እንተነበራ፡ "ብሰንኪ እዋናዊ ስጉምቲ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን መንገደን ክቕይራን ንድሕሪት ክምለሳን ከም ዝተገደዳ" ይጠቅስ።

    ኣመሪካ ኣብ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ክሳብ እተልዕል መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጹው ክጸንሕ ምዃኑ ኢራን ገሊጻ እያ።

    መርበብ ሓበሬታ ምክትታል መራኽብ ማሪንትራፊክ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ በቲ መጻብቦ ዝሓለፈት መርከብ ከም ዘየላ ዘርኢ ይመስል።

    ብዙሓት ግን ኣብ ዙርያ ወሽመጥ- ብፍላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማንን ኢማራትን - መልሕቐን ዝደርበያ ይመስላ።

    ትማሊ መራኽብ ባሕሪ በቲ ወሳኒ መጻብቦ ማይ ይንቀሳቐስ እኳ እንተነበረ፡ ቴህራን ዳግም ነቲ መስመር ማይ ክትዓጽዎ ምዃና ምስ ኣፍለጠት ግን ኣዝዩ ተዘሓሒሉ።

    ሓያሎ መራኽብ ብፕሮጀክትላይት ከም ዝተሃርማን ሓንቲ መርከብ ድማ ብቐዳም ብጀላቡ ጠበንጃ ኢራን ከም ዝተተኰላን ተገሊጹ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ

    ምንጪ ስእሊ, MarineTraffic

  17. ሊባኖስ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ሞት ከም ዝተመዝገበ ተገሊጹ

    መኪና ሕቡራት ሃገራት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ዝተኻየደ ተኹሲ ደው ምባል ዝቕጽል ዘሎ ይመስል።

    እንተዀነ፡ ኣብ ሊባኖስ ሞት ዘስዓበ ብርክት ዝበሉ ክስተታት ከም ዘለዉ ተገሊጹ።

    ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል እቲ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝትግበር ንደሓር ክልተ ወተሃደራት ከም ዝሞቱ ይገልጽ።

    ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሳጅን ባራክ ካልፎን ብዓርቢ ህንጻታት እናጸረገ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ከም ዝሞተን፡ ካልኦት ሰለስተ ወተሃደራት እውን ከም ዝቖሰሉን ይሕብራ።

    ካልኦት ትሽዓተ ሰባት እውን ሕክምና ሆስፒታል ይግበረሎም ከምዘሎ ሰራዊት እስራኤል ሎሚ ኣፍሊጡ።

    እቶም ወተሃደራት ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ብነተጉቲ ከም ዝሃረመትን፡ እስራኤል ድማ እቲ ነታጒ መዓስ ከም ዝተቐመጠ ንምርግጋጽ ክትምርምር ምዃናን፡ እዚ ድማ ንውዕላት ተኹሲ ደው ምባል ምጥሓስ ክኸውን ከም ዝኽእልን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።

    ኣብ ሊባኖስ ምስ ግዝያዊ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒፊል) ዘገልግል ዝነበረ ፈረንሳዊ ዓቃቢ ሰላም እውን ኣብ ሊባኖስ ሞይቱ'ዩ።

    ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ንሕዝቦላህ ወቒሱ፥ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብድሕሪ እቲ ፍጻመ ከም ዘየሎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጉ።

  18. ብዛዕባ 'መለኽቲ' ዝተዛረብኹዎ ንትራምፕ ዒላማ ዝገበረ ኣይኰነን - ጳጳስ ሊዮ

    ጳጳስ ሊዮ

    ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፡ "መለኽቲ" ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ኣብ ኲናት የፍስሱ ኣለዉ ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

    ይኹን'ምር ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውጥጥ ክኣትዉ ከም ዘይደልዩ ገሊጾም።

    እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እዚ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ዘይቅዳው ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዘስምዑዎ ዘረባ፡ "እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባይ ርእይቶ ቅድሚ ምሃቡ፡" ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝተጽሓፈ እዩ ኢሎም።

    ትማሊ ቐዳም ናብ ኣንጎላ ኣብ ዝኸድሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ነፋሪት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዳግም ምስቲ ፕረዚደንት ክመላለስ ከም ዝፈተኑ ተገይሩ'ኳ እንተተወሰደ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ዕላማ የብለይን፡" ኢሎም።

    ዶናልድ ትራምፕ ብሰኑይ፡ ኣብ ኢራን ንዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካን እስራኤልን ንዝነቕፉ ዝነበሩ ጳጳስ ሊዮ "ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢ እቲ ዝኸፍአ" ክብል ነቒፉዎም'ዩ።

    ኣብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዝገብሩ ዘለዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ፡ ነቲ ትራምፕ ዝሃቦ ርእይቶ ዝፈጠሮ “ፖለቲካዊ ሃዋህው” ብምጥቃስ፡ “ገለ ዘይቅኑዕ ተረኽ” ከም ዝተፈጥረ ገሊጾም።

    ብሓሙስ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፡ “ቢልዮናት ዶላራት ንምቕታልን ዕንወትን ክውዕል ርእዮም ከም ዘይርኣዩ ዝሓልፉ መራሕቲ፡ ንጥዕና፡ ትምህርትን ህንጸትን ጸጋታት ከም ዘድሊ ረሲዖም ኣለዎ፡" ኢሎም።

    ወሲዀም ድማ፡ "ጐይቶት ውግእ፡ ንምጥፋእ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ከም ዝወስድ፡ ንምህናጽ ግን ዕድመ ምሉእ ከም ዝወስድ ዘይፈልጡ'ዮም ዝመስሉ፡" ክብሉ ተዛሪቦም።

    ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ግጭት ዝዓሰላ “ብደም ዝተበከለ” ዞባ ካሜሩን፡ “መወዳእታ ዘይብሉ ዑደት ጥፍኣትን ሞትን” ምህላዉ ኰኒኖም።

  19. ኣመሪካን ኢራንን ዘካይድኦ ክልትኣዊ ዘተ እንታይ ይመስል?

    ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዝርርብ እንታይ ይመስል?

    28 ለካቲት፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻመን፡ ክልቲአን ሃገራት ዝጀመርኦ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ኣፈሪሱ፡ ግጭት ተላዒሉ።

    6 መጋቢት፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዘይካ "ብዘይ ቅድመ ኩነት ኢድ ምሃብ" ዝዀነ ስምምዕ ከም ዘይህሉ ገሊጹ።

    21 መጋቢት፡ ትራምፕ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደብ ሂቡ፤ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክትከፍት እንተዘይተሰማሚዓ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ዒላማ ክገብር ምዃኑ ድማ ኣፈራሪሑ።

    23 መጋቢት፡ ትራምፕ "ውጽኢታዊ ዝርርባት" ከም ዝተኻየዱ ብምጥቃስ እቲ ዘቐመጠኦ ግ ገደብ ኣወንዚፉዎ

    7 ሚያዝያ፡ ትራምፕ እቲ መጻብቦ እንተዘይተኸፊቱ “ምሉእ ስልጣነ ክዓኑ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ

    ትራምፕ ሕጂ ምስ ኢራን ጽቡቕ ዝርርብ ይካየድ ከም ዘሎ ይገልጽ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    8 ሚያዝያ፡ ፓኪስታን፡ ከም መንጎኛ ኰይና ንኽልቲአን ሃገራት ከተሸማግል ምዃና፤ ንተወሳኺ ዝርርብ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተኹሲ ደው ምባል ከም ዝግበር ኣፍሊጣ

    11 ሚያዝያ፡ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ፓኪስታን ተራኺቦም። ድሕሪ 21 ሰዓታት ዝወሰደ ዝርርብ፡ ዋሽንግተንን ቴህራንን ኣብ ቁልፊ ነጥብታት ከይተሰማምዓ ተሪፈን

    12 ሚያዝያ፡ ትራምፕ ወደባት ኢራን ከም ዝዕጾ ኣፍሊጡ

    17 ሚያዝያ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢራን ኣራግቺ፡ እቲ መጻብቦ እቲ ንኽልተ ሰሙን ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ምባል ክሳብ ዝውዳእ ክፉት ክኸውን’ዩ ኢሉ። ትራምፕ ድማ እገዳ ኣመሪካ ክቕጽል እዩ ይብል።

    18 ሚያዝያ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ነቲ መጻብቦ ዳግማይ ክዓጽዎ ምዃኑ ገሊጹ። ትራምፕ ኣብዚ እዋን "ኣዝዩ ጽቡቕ ዝርርባት" ይካየድ ኣሎ'ኳ እንተበለ፡ ኣመሪካ ግን ብሰንኪ እቲ መስመር ማይ "ታህዲድ" ክበጽሓ ከም ዘይብሉ ይዛረብ።

  20. 'ነቲ መጻብቦ ንሕና ኢና ንቈጻጸሮ' - ላዕለዋይ ተደራዳሪ ኢራን

    ላዕለዋይ ተደራዳሪ ኢራን ኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ፡ ምስ ኣመሪካ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ "ገስጋስ ተራእዩ" ኢሉ።

    እንተዀነ፡ ክልቲኦም ወገናት "ኣብ ናይ መወዳእታ ዘተ ከም ዘይበጽሑ፡" ሓቢሩ።

    ሓደ ካብ ተደራደርቲ ኢራን ዝዀነ ጋሊባፍ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ ዝርከብዎም ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ፓኪስታን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

    ዝቕጽል ዙር ዝርርብ ዝካየደሉ ዕለት ኣይተቐመጠን።