ካይሮ፡ መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ 'ምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ' ተዘራሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Egypt President Office
መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ።
ትማሊ ምሸት ናብ ርእሰ ከተማ ካይሮ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ተራኺቡ'ሎ።
ብወገን ካይሮ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ክልቲአን ሃገራት "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ንምስፋን" ብሓባር ክሰርሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ፡ ከም ኣካል ሃገራዊ ድሕነት ግብጺ ብምውሳድ ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕቃብ ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ" ይብል እቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ዝወጸ መግለጺ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምውናን ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ዝዳፈር'ዩ ብምባል ክነቕፋ ምጽንሐን ይዝከር።
ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ኣስመራን ካይሮን ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ይፈጥራ ከምዘለዋ'ያ ትኸስስ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ዘሎ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን'ውን ተዘራሪቦም ኣለዉ።
"ግብጺ ንሓድነት፡ ልኡላውነት፡ ጸጥታን ምርግጋእን ሱዳን ዘለዋ ደገፍ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ፡ ደጊሙ ኣረጋጊጹ" ዝበለ እቲ ሓበሬታ፡ ሱዳን ናብ ንቡር ምርግጋእ ንምምላስ ደገፍ ከምዘድልያ ተረዳዲኦም ይብል።
እቲ ኤርትራዊ መራሒ፡ "ምስ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ክራኸብ ምኽኣሉ ብምምስጋን ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ንዝተራእየ ገስጋስን ግብጺ ንልምዓት ኤርትራ ዘለዋ ደገፍን ንኢዱ።"
እንተኾነ ክልቲአን ወገናት ክፍርምኦ ዝጸንሓ ክልተኣዊ ምርድዳኣት ይኹን ስምምዓት ኣብ ምእታይ ከምዝበጽሐ ብንጹር ይተገልጸን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲአን ርእሰከተማታት ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምብጽጻሕ ክግበር ምጽንሑ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝምራሕን ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት መንግስቲ ዝርከብዎን ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ብምብጻሕ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ፈሪሙ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2025 ናብ ካይሮ ብምኻድ ምስ ኣል-ሲሲ ተዘራሪቡ እዩ።
ጽዑቕ ርክባት ኣስመራን ካይሮን ብዓይኒ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskl
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ግብጺ ናይ ሓሙሽተ መዓልታ ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ይዝከር።
እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ዞባዊ ምዕባለታት ጸጥታዊ ውሕስነት ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝተዘራረቡሉ እዋን ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ሃገሩ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ብደረጃ መራሕቲ ይዅን ምኒስተራት ጽዑቕ ርክባት ይካየድ ምህላው ይፍለጥ።
ኣብ መፋርቕ ምያዝያ እውን ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ግብጻውያን ምኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን፡ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ትካላት ባንክን መድሃኒትን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ ኤርትራ ምስ ኩባንያታት ግብጺ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ መጓዓዝያን ዕደናን ሓባራዊ ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ክትሰርሕ ድልውቲ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ እዩ።
ነዚ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ዝግበር ዘሎ ምሕያል ዝምድናታት ብወገን ኢትዮጵያ ብጽቡቕ ከምዘይጥመት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ ድሕሪ ምኽታማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ሰላም ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን ትንቀሳቐስ ኣላ ብምባል ክትከስስ ተሰሚዓ እያ።
ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጽአ "ዘይሃናጺ ውዲት" ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ እዩ ኢሉ ነይሩ።
ምኒስተር በድር ዓብደልዓጢ ኣብ ኣስመራ ምስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ጥራይ ፍሉይ ሓላፍነት ክኸውን ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘይርከባ ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝተኣሳሰሩ ዝዀነ ይዅኑ ስምምዓት ናይ ምእታው መሰል ከም ዘይብለን ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ኣብ ሕዳር 2025 ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ዶ/ር በድር "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡"ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ኣቘጢዑ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ጀነራላቱን ታሪኻውያን ጸላእትና ኣብ ስሳታት ዝጀመሩዎ ናይ ጽምዶ ወፍሪ ብባንዳታት ደቂ ሃገርን ሰላም ኢትዮጵያ ክዘርጉ ምስ ዝተዓጥቁ ሓይልታት ንዘካይድዎ ዘለው ርኡይ ተጻብኦ ክንሰብር ብምሉእ ዓቕምና ተዳሊና ኣለና ኣብ ዝብልሉ ዘለው ሳልስቲ እዩ ዝገይሽ ዘሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብዚ ቅንያት ብስም ከይጠቐሰ "ታሪኻውያን ጸላእቲ" ዝብል ክሲታት ከስምዕ ቀንዩ ኣሎ። ብወገን ኢትዮጵያ "ታሪኻውያን ጻላእቲ" ዝብል ኣበሃህላ ግን ንግብጺ ዘነጻጽር ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።
ብዙሓት፡ ብሃቐነን ጐስጓስን ኣዲስ ኣበባ ዝስከፉ ኤርትራውያን፡ ሃገሮም ምስ ግብጺ እትገብሮ ጸጥታዊን ቁጠባዊን ስምምዓት ንናይ ኢትዮጵያ ስግኣት ክብድህ ትጽቢት ይገብሩ።
ብኻልእ ወገን ኤርትራ ምስ ስዑዲ ጥቡቕ ዝምድና ክትፈጥር እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ምስታ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ጸጥታዊ ምትእትታው ትገብር ኣላ ተባሂላ ትኽሰስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘለዋ ዝምድና ከተሐይሎ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኢማራት ንዝቐርበላ ክስታትን ጭብጥታትን ምትእትታው ኣብ ሱዳን ብቐጻሊ'ያ ክትነጽጎ ትስማዕ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ዓብደልዓጢ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ፡ ንግብጺ ንኽበጽሕ ዕድመ ፕረዚደንቱ ኣብጺሑሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኤርትራን ግብጽን፡ ሓባራዊ መስመራት መራኽብ ንምምዕባልን ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ኣብ ኣስመራ ከም ዝፈረማ ተገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskl









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
