ዝምድና ኣስመራ-ዋሽንግተን ብዓይኒ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣመሪካን ኤርትራን ዝጀመርኦ ጽምዶ ብምቕጻል ተዘራሪበን ነይረን።
እቲ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ምስ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን መስዓድ ቡሎስ ኣብ ዘካይድዎ'ዩ።
ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕል ትቀራረብ ከምዘላ ክንገር ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ እዚ ናይ ካይሮ ዝርርብ ተኻይዱ።
ብዛዕባ'ዚ ድሕሪ ዝተኻየደ ልዝብን ኣመታቱን፡ ከምኡ'ውን ድሕረ ባይታ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ትዕዝብትታቱን ርእይቶታቱን ክህበና ንገዲም ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ኣዘራሪብናዮ ኣለና፣
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ተመሳሳሊ ልዝብ ኣካይዶም ምንባሮም እውን ዝዝከር እዩ'ሞ፡ እዚ ሓድሽ ርክብ ብመንጽር እቲ ኣብ መንጐ ኣስመራን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ዝምድና ከመይ ትርእዮ? እንታይ ዘመልክት'ዩ ክንብል ንኽእል?
ዓብደላ፤ በብግዚኡ ርክባት ክካየድ ጸኒሑ'ዩ። ኵሉ ዝዕዘቦ ዘሎ'ውን፡ እቲ ቀደም ዝነበረ መርገጺ ናይ ኣመሪካ ምስቲ ሕጂ ዝስማዕን ዝርአን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ከምዘሎ ንዅላህና ብሩህ ይመስለኒ። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ፡ ፖለቲካ ወይ ፎረይን ፖሊሲ (ፖሊሲ ወጻኢ) ናይ ዝኾነ ሃገር መሰረቱ ረብሓ እዩ። ኣብ ደገ ዘለካ ዝምድናታት ኵሉ ብናትካ ረብሓ'ዩ ዝዕቀን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣመሪካ ዝነበራ መርገጺ፡ ኵልና ከምእንፈልጦ፡ ምስ ሂዩማን ራይትስ (ሰባዊ መሰላት) ዝተኣሳሰረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢታት ትገብር ነይራ፣ ከምቲ ኵላትና ንፈልጦ ክሳብ ሳንክሽን (እገዳ) ዝበጽሐ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሃንደበት እዚ ዅሉ ተቐዪሩ ንርእዮ ኣለና። እቲ ምኽንያት እንታይ'ዩ እንድሕር ኢልና፡ እቲ ዞባዊ ኵነታት ናይቲ ከባቢና፡ ዓለማዊ ኵነታት'ውን ምስኡ ተዛሚዱ ዝመጽእ ዘሎ ለውጢ'ዩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣመሪካ ኣብዚ ዞባ'ዚ፡ ቀደም ዝነበራ ፖሊሲታት ናይ ሂዩማን ራይትስንዶ ገለ ዝብሃል ነገር ንጐኒ ገዲፉ ረብሓታታ ቀዳምነት ትህብ ኣላ።
ኤርትራ ድማ ከም ዝፍለጥ፡ ኣካል ሚድል ኢስት (ማእከላይ ምብራቕ) እያ፣ ቀይሕ ባሕሪሲ ሎሚ ብፍላይ ዓለም ከም ሓንቲ ደሴት ኰኑዎ ዘሎ፡ ክንርእዮ እንከለና ፍልልይ የለን። ኣብ ሆርሙዝ ሽግር ኣሎ፣ ብቐጥታ ንቀይሕ ባሕሪ ይጸሉ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሽግር እንተሎ ድማ ንሆርሙዝ ብቐጥታ ይጸሉ። ተቐራራቢ ረብሓ ዘለዎ ስለዝኾነ። ሕጂ ኣመሪካ ምስቲ ዘለዋ ኵነታት፡ ኣብቲ ዞባ'ቲ ሞር (ዝያዳ) ነቲ ናታ ወገን ከተሐይል ስለትመርጽ፡ ኣብዚ ሕጂ ዕድል ተረኺቡ ማለት'ዩ።
ኤርትራ ኸኣ ንሳ'ያ፡ ኣብ ስርዓታ ይዅን ኣብ ፖሊሲኣ ዝተለወጠ ነገር፣ ዝተቐየረ ነገር የለን። ግን ረብሓ ኣመሪካ ኣብዚ እዋን'ዚ ነዚ ግምት ዘይህብ፣ እንታይ ድኣ ዝያዳ እቲ ናቱ ረብሓ ብምቕዳም ዓይኑ ዓሚቱ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝውሰድ ዝነበረ መርገጺታት ብዝፍለ ንኤርትራ ከም ናቱ ወገን ገይሩ ኣብቲ ከባቢ ዘለዎ ጽልዋ ከሐይል'ዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።
ብፍላይ ንኤርትራ እቲ ቀይሕ ባሕሪ'ውን በቲ ሓደ ሸነኹ ሑቲ ዝብሃል ኣሎ፣ ንሱ ድማ ብኢራን'ዩ ዝድፋእ። ስለዚ እቲ ካልኣይ ሸነኽ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን ግብጺን ከመይ ጌርካ ተሐይሎ ዝብል፡ ሓድሽ ኣላያንስ (ምሕዝነት) ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ድማ ንረብሓ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ።
ቢቢሲ፤ ኣመሪካን ኤርትራን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተባራበረ ርክቦም ስዒቡ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ክለዓል እዩ ተባሂሉ ነይሩ እሞ፤ ስለምንታይ'ዩ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈጸመ ትብል? ቀንዲ ማሕለኻታት ወይ ዕንቅፋት እንታይ'ዮም ትብል?
ዓብደላ፤ ክለዓል'ዩ ኢሎም፡ እቲ ውሳነ'ውን ተወሲዱ እኳ'ዩ። ግን ዋላ እንተ ዘይተላዕለ'ውን፡ ጉድኣት የብሉን፣ ምኽንያቱ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ብቚጠባ ይዅን ካልእ ተዋሳኣይ ኣይኮነን። ዝዋሳእ ነይሩ እንተዝኸውን ኣብ እንካን ሃባን፡ እቶም እገዳታት እቲኦም ነቲ ዝነበረ ሃስዮሞ እንተድኣ ነይሮም ንዕኡ ብምልዓል ነቲ ምንቅስቓስ ከም ብሓድሽ ይቕጽል። ኤርትራ ግን ኢምፖርት ትገብሮ የብላን ኤክስፖርት የብላን፣ ትሰዶ የብላ ተምጽኦ የብላ - ብዙሕ ዝርአ ኣይኮነን።
ንኣብነት ከምዚ ኢራን ንበል፣ ኢራን ዓቢ ሃገር'ዩ፡ እቲ ናቱ ርክባት ምስ ዓለም ብኡ መጠን'ዩ፣ ነዳዲ ኣሎ ካልእ ማልእ ኣሎ፡ ሕጂ እቲ እገዳ ብቐጥታ'ዩ [ጽልዋኡ] ዝርአ። ምኽንያቱ፡ ሓደ መስርሕ ናይ ቊጠባ ከም ዝዕንቀፍ ይገብር ማለት'ዩ፡ ኣመሪካ ወይ ማሕበረሰብ ዓለም። እዚ ኣልዒልናዮ ክብሉ እንከለዉ፡ ቢልዮናት ዶላራት ይምለስ ናብ ኢራን።
ኤርትራ ግን ዋላ ሓንቲ የብሉን፣ ስለዚ እቲ ኣገዳሲ፡ እቲ ማህሰይቱ. . .እቲ ስርዓት'ውን ባዕሉ ኣብ ኤርትራ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገይሩ ስለዘሎ፡ ምዕባለ ናይ ቊጠባ የለን . . . ማይ ዝሰኣነሉ ዓዲሲ ክርአ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን። ዓበይቲ ናይ ቊጠባ ምልውዋጥ ምስ ዓለም ነይሩዋ፡ ስለዚ ንዕኡ እገዳ ስለዝተገብረ ድማ ቊጠባኣ ተሃስዩ ትብሃል ሃገር ኣይኮነትን - ኤርትራ። ኣብ ከምኡ ደረጃ ዝበጽሐት ኣይኮነትን። ስቕ ኢልካ ንምፍርራሕን ጸቕጢ ንምግባርን ዝተገብረ እገዳ'ዩ ነይሩ፣ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ እዩ። ቅሩብ ርህው ይብሎም ኣብቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም እምበር፡ ኣብ ቊጠባ እቲ ሃገር ለውጢ ክገብር እንተዘይፈቲኑስ እዚ እገዳ ኣየሕምሞ ኣየሕውዮ።
ቢቢሲ፤ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ብዓይኒ ረብሓታት ኣመሪካ እንተ ተጐስዩ፡ ጠንቂ ናይቲ ዘይምቅዳው ድኣ እንታይ'ዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ?
ዓብደላ፤ ሓቂኺ ኢኺ እዚ ትብልዮ ዘለኺ፣ ንኣብነት እገዳ ክለዓል'ዩ ምስ ተባህለ፡ ኤርትራ ክንድ'ዚ ተኣጊዱና ዝነበረ ቢልዮናት ይመለሰልና ዝብል የለን። ጥራሕ እንታይ'ዩ፡ እቲ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበረ፡ ንሱ ጥራይ'ዩ ዝፈኵስ እምበር፡ ምስ ቊጠባ ዝተኣሳሰረ ዓበይቲ ነገራት ንኤርትራ ጠጠው ዘበላ . . . ብሰንኪ እቲ እገዳሲ ዝነበረ ናይ ኢምፖርት ኤክስፖርት ዝሃሰየ የለን። ምኽንያቱ እቲ ሃገር ባዕሉ ቊጠባኡ ዜሮ ዝኸደ፡ እቲ ሃገር ስርዓተ-ሕጊ የብሉ፡ ኮንስትቲዩሽን (ቅዋም) የብሉን፡ ምዕባለ ናይ ቊጠባ የብሉን። እታ ቀንዲ፡ ኣብቲ ፖለቲካዊ ሸነኹ፡ ሎሚ ዝያዳ ናጻ ኰይኖም ይንቀሳቐሱ፣ ቅድም ዘይነበረ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ይዛረቡ - እዚታት'ዩ።
እቲ ካልኣይ መኽሰቡ ድማ፡ ብወገን ኤርትራ ዝርአ እንታይ'ዩ፡ ምስዚ ሕጂ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ ኤርትራን ዘሎ ምጉርፋጥ፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪዶ መንደፍ ዶ ዝብሎ ኣቢይ ኣሕመድ . . . ነዚ ከም መኽሰብ ገይሮም ይወስድዎ - ብወገን ኤርትራ። ምኽንያቱ ኣመሪካ ኣብዚ ኣርእስቲ'ዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣይኮነትን። ስለዚ እዚ ከም ሓደ መኽሰብ ጌሮም ይወስድዎ እሞ፡ ፖለቲካሊ ክሰርሕሉ ይፍትኑ። እንተዘይኮይኑ፡ እታ ሃገር ባዕላ ብቚጠባ ዝርአ ነገር ስለዘይብላስ፡ ተኣጊዱ ዝነበረ እዚን እትን ሕጂ ይፈታሓልና ዝብሎ ስርዓት ኢሳይያስ የለን።
ቢቢሲ፤ ኣመሪካ ንኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ብመንጽር እቲ ምስ ኢራን ትኸዶ ዘላ ረጽሚ እያ ትረእዮ ይብሃል እዩ፤ ኤርትራ'ውን በዚ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ከምእትጥምታ ይዝረብ'ዩ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዘለካ ንባብ እንታይ ይመስል?
ዓብደላ፤ ኦፍኮርስ እዩ። እዚ ግጭት ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሆርሙዝ ምስ ኢራን፡ ንምሉእ ዓለም ዝተንከፈ ምዃኑ ኵላትና ንርእዮ ዘለና'ዩ - መግለጺ ኣየድልዮን'ዩ። ምስ ከምዚ፡ ኤርትራ ድማ ቀረባ ናይቲ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኤርትራ እቲ ዝነውሐ'ዩ፣ ካብ ናይ ሱዳን ይነውሕ፣ ካብ ናይ ግብጺ ይነውሕ ካብ ናይ የመን ይነውሕ ክትብሎ ትኽእል። ቀይሕ ባሕሪ ኸኣ ካብ 20 ክሳብ 25 ሚእታዊት ንግዲ ዓለም ዝንቀሳቐሰሉ መስመር ብምዃኑ ኣገዳስነቱ ልዑል'ዩ። ስለዚ ኣገዳስነት ናይቲ ሰኲሪቲ (ጸጥታ) ናይቲ ከባቢ የርእየካ ማለት'ዩ።
ኣመሪካ ነዚ ዓዲ'ዚ ንረብሓኣ ክትቅይሮ እንከላ ወይ መርገጺ ናይ ኣመሪካ ክመሓየሽ እንከሎ፡ ኣብዚ ኤሪያ (ከባቢ) ዘለዎም ናይ ጸጥታ ሓይሊ ዓቕሞም ከምዝሕይል ገይሮም'ዮም ዝወስድዎ። በዚ መንጽር እዚ'ዮም ዝርእይዎ። ኤርትራ'ውን ከምኡ ምዃኑ ትፈልጥ'ያ፣ እቲ ስርዓት ናይ ኢሳይያስ ከምኡ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዘለዎም ኵነታት ምስቲ ዘሎ ጂኦፖለቲካ ክኸዱ ናይ ግድን እዩ እምበር፡ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺ ናቱ'ኮ እንታይ ኢሉ? 'ናይ ኣቶሚክ ቦምብ ናይ ኢራንሲ ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ ካብ ሻህ ኢራን ኣትሒዙ'ዩ' ኢሉ። ካብ ሻህ ኢራን ኣትሒዙ'ዩ ክብል እንከሎ፡ ኣመሪካ ቀንዲ ደጋፊት ናይ ሻህ ኢራን'ያ ነይራ። ስለዚ ንስኹም ደገፍታ እንከለኹም ዝተጀመረ'ዩ፡ ሎሚ ብኻልእ ትርእይዎ ኣለኹም ማለቱ'ዩ. . . ሕጂ ኦሪጂናል መርገጺኡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ኢሳይያስ ከምዘይተቐየረ በዚ ክትዕዘቦ ትኽእል። ግን ኣድላይነት ናይዚ እዋን'ዚ ካልእ ስለዝኾነ፡ ምስቲ ዘሎ ቅልውላው ናይቲ ጂኦፖለቲክስ ናይቲ ከባቢ ምኽሳብ ናይ ኣመሪካ ኣድላዪ ምዃኑ ስለዝፈልጥ እቲ ስርዓት ንኣመሪካ ተቐቢሉ ክኸይድ ናይ ግድን ይኸውን ማለት'ዩ።
ቢቢሲ፤ እዚ ርክባት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቕጽል ዘሎ ዳርባ ቃላት ወይ ወጥሪ ዘህድኦዶ ይመስለካ? ብዓቢኡ ነዚ ኣብ ዝተፈልላየ ቁርቁስ ኣትዩ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናበይ ኣንፈት ክወስዶ እዩ?
ዓብደላ፤ ረብሓ ናይ ኣመሪካ ርዱእ ነገር'ዩ ኣብቲ ዞባና፡ ኣብዚ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝብሃል ካብ ኬንያ ጀሚርካ፡ ኵሉ ሶማል፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ . . .እዚ ዞባ'ዚ ድማ ኣብ መዓት ቅልውላው ከምዘሎ ኩላህና ንርእዮ ዘለና'ዩ። ስለዚ እዚ ቅልውላው'ዚ ህድእ ክብል ድሌት ናይ ኣመሪካ'ዩ፡ ምስ ናቶም ኢንተረስት።
ኢትዮጵያ ብዓይኒ ታሪኽ ክትርእዮ እንከለኻ ናይ ምዕራብ ምሕዝነት ዘለዋ ወይ ብምዕራብ ዝተደገፈት ሃገር'ያ ከምዚ ንፈልጦ። ሕጂ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ኮይኖም ኣንጻር ኢትዮጵያ ክኾኑ'ዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። እቲ ሓደ ነገር እንታይ'ዩ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዘልዕልዎ፡ ብዓል ኣቢይ ኣሕመድ ዘልዕልዎ እዚ ቀይሕ ባሕሪ ገለመለ ዝብል ቅቡል ከምዘይኮነ፡ ብኣመሪካ ይኹን ብኹሉ ቅቡል ከምዘይኮነ ንርእዮ ኢና ዘለና።
ኣመሪካ ዝደልዩ፡ ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ንምትህድዳእ፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣምባሳደር ናይ ኣመሪካ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ናብ ትግራይ፡ ናብ ካልእ ቦታታት፡ ምዕራብ ናይ ትግራይ . . . ኲናት ንከይላዓል፡ ምኽንያቱ ኲናት እንተድኣ ተላዒሉ ኣመሪካ መሊሱ ክበላሸዎም ከምዝኾነ ስለዝፈልጡ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዘይኮነ ብዝተኻእለ መጠን፡ እንተወሓደ ንምንውሑ እቲ ክመጽእ ዝኽእል እዮም ዝሰርሑ ዘለው'ምበር፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ እዚን እዚን ኢሎም ዘቐመጥዎ ነገር የለን። እንታይ'ዩ፡ ናይ ፕሪቶሪያ [ስምምዕ] ንሳቶም መሻርኽቲ ስለዝነበሩ፡ 'ኣይፋልኩምን ናብታ ናይ ፕሪቶሪያ ተመለሱ' ገለ እናበልካ፡ ንምህድኡ እቲ [ክፍጠር ዝኽእል] ኲናት ግዜ ከምዝወስድ ንምግባር እምበር፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝንቀሳቐስዎ ነገር የለን - ኣመሪካ። ብሓፈሻ ግን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣይኮኑን ከም ስትራተጂያዊ መርገጺ ብታሪኽ ክሳብ ሕጂ። እቲ ኢትዮጵያ ዘልዕልዎ፡ እዚ ስርዓት ኣቢይ ዘልዕሎ ቀይሕ ባሕሪ ዶ ገለመለ ብኣመሪካ ድጉፍ ኣይኮነን - ዋላ ብኻልእ ሃገራት ከምዚ ንርእዮ።
ቢቢሲ፤ እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኤርትራን ዘሎ ዝምድና በታ ኢትዮጵያ 'ታሪኻዊት ጻላኢታ' ኢላ እትሓስባ ግብጺ ዝተማእከለ'ዩ ዝመስል፣ ክልተ ግዜ ናብ ካይሮ ከይዶም ዘተ ምክያዶም፡ ብሓፈሻ'ውን እቲ ኣብ መንጐ ካይሮን ኣስመራን ዘሎ ዝምድና ክንርእዮ እንከለና፡ ነቲ ብመራሕቲ ኢትዮጵያ ዝደጋገም ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘህድኦ ዶ ይመስለካ? ወይ ንኤርትራ ደጀንዶ ክኾና ይኽእል እዚ ምስ ኣመሪካ ተካይዶ ዘላ ጽምዶ?
ዓብደላ፤ ኣመሪካ ብሓፈሻ ነቲ ቅልውላው ክሃድእ ትደሊ እያ ንናታ ኢንተረስት (ረብሓ)። ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ግጭት ክፍጠር ኣይትደሊን'ያ፤ ምኽንያቱ፡ ግብጺ ምሓዛ ኣመሪካ'ያ፣ ኣብቲ ከባቢ'ቲ ሓንቲ ካብተን ኣገደስቲ ሃገራት ተባሂላ ትግለጽ እያ። ኢትዮጵያ'ውን ተመሳሳሊ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ብዝተኻእለ መጠን እቲ ጉዳይ ክፍታሕ'ዮም ዝደልዩ። ብፍላይ ብፍላይ ከኣ እዚ ስርዓት ሕጂ ዘሎ ኣብ ኣመሪካ ዝምድናኡ ምስ ግብጺ ዕብይ ዝበለ'ዩ ክብሃል ይክኣል። ዋላ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተቓውሞ ኣርእዩ ነይሩ - ግድብ ሕዳሰ ኣብ ዝነበረ ኵነታት። ግን ጨሪሱ ኣንጻር ኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኣይክእልን'ዩ፣ ምኽንያቱ ናይ ታሪኽ ዝምድና'ዩ።
ኦፍኮርስ ናይ ምትህድዳእ ሮል (ግደ) እዮም ክጻወቱ ዝኽእሉ። ብሓፈሻ ግን እቲ ስርዓት ናይ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዝፈጠሮ ሽግር እዩ ክብሃል ይክኣል። ምኽንያቱ፡ ረብሓታት ናይ ከባቢኡ ናይ ጐረባብቱ ዘይምኽባር፡ ንዕኡ ሓሊኻ ዝምድናኻ ከተዐሪ ዘይምድላይ። ሕጂ ንኣብነት ቀይሕ ባሕሪ ኢልካ፡ ማለት ቀደም ታሪኽ ዝሓለፎ ኣርእስቲ ኣምጺእካ ከም መሳርሒ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንክትገብሮ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣየርብሕ ዋላ ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ'ውን ኣየርብሕ።
ስለዚ እቲ ጌጋታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ናይዚ ነገራት'ዩ። ዕድል ከኣ ይህብ ነቶም ነዚ ስርዓት እዚ ዘይቅበሉ፡ ከም ናይ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳን ከኣ ሕጂ ዘሎ. . .ስለዚ መሰረታዊ ቅልውላው ናይዚ ዞባና እዩ። ብወገን ምዕራብ ባዕሉ ኣብ ናቱ ሽግራት ስለዘሎ፡ ኣመሪካ'ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ፡ ጥራሕ ንምህድኡ ንምምሕዳሩ እቲ ግርጭታት እምበር ክንዮኡ ክኸዱ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። መሰረታዊ መፍትሒ ከምጽእሉ ዝኽእሉ ኣይመስለንን፡ ኣብዚ ንርእዮ ቅድመና ዘሎ ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ ዓመት። ምኽንያቱ ብዙሕ ሽግራት ኣሎ። እቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ምስ ጐረባብቱ፡ ኣብ ውሽጡ ንገዛእ ርእሱ ዘለዎ ሽግር መወዳእታ የብሉን፣ ስለዚ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ፡ ከቢድ'ዩ ክብል እኽል ኣነ ብወገነይ እቲ ዘሎ ሽግራት።
ቢቢሲ፤ ድሕረ-ባይታ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ሕጂ ዳግማይ ዝበራበር ዘሎ ርክብ እዘን ሃገራትን ቀጻልነቱን ከመይ ትግምግሞ?
ዓብደላ፤ መቸስ ንሕና ከምእንፈልጦ፡ ኣብቲ መንግስቲ ናይ ኤርትራ'ውን ኣካል ናይቲ መንግስቲ እንዲና ነይርና፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መጋጨዊ ምስ ስርዓት ኤርትራ ዝነበረ፡ እቲ ስርዓት ሽወያ ንጹር ዝኾነ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣይነበረናን። ኣብዚ ግጭት፡ ኣብቲ ግጭት፡ ሓንሳእ ምስ የመን፡ ሓንሳእ ምስ ሱዳን፡ ሓንሳእ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሓንሳእ ምስ ጅቡቲ . . . እዚ ከም ሓደ ርግኣት ዘይብሉ ስርዓት፡ ንጹር ፖሊሲ ዘይብሉ ስርዓት ተገይሩ ይውስድ ነይሩ፤ ክሳብ ሕጂ'ውን ከምኡ'ዩ፣ ከምኡ ዝዓይነቱ፡ ዝተለወጠ ነገር የለን።
ሕጂ ምስ ከምኡ፡ ዝኾነ ናይ ውሽጢ ምንቅስቓስ ድማ ብዘይንሕስያ ስርዓት ናይ ኢሳይያስ ይወቕዖ ነይሩ፡ ብማእሰርቲን መቕተልትን ስለዝኾነ፡ እዚ ድማ ሕቶ ናይ ሰባዊ መሰል ኣዝዩ ዝጥሕስ ብምዃኑ ኣብዚ መሰረት ዝገበረ ጸቕጥታት ነይሩ ብወገን ኣመሪካ፤ ኣብዚ ዝተቐየረ ነገር የለን።
ሕጂ፡ ዝተቐየረ ነገር እንታይ'ዩ፡ ኵነታት ናይቲ ዞባና፡ ብሓፈሻ ማእከላይ ምብራቕ ሓዊስካ ዘሎ ኵነታት'ዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ እቲ ስርዓት ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ሕጂ'ውን ፍልይ ዝበለ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ስርዓታት ናይ ኣመሪካ እዩ። ዝያዳ ኣብ ናቱ ኢንተረስት፡ ከምዚ ብዓይኒ ቊጠባ ንዅሉ ነገር ምርኣይ፡ ንሰባዊ መሰል ኣድህቦ ዘይህብ ምዃኑ፡ እዚ ቅሩብ ምስትንፋስ ፈጢሩ ክብል እኽእል - ንስርዓት ኢሳይያስ።
ግን ጽባሕ፡ እዚ ዘሎ ናይ ኣመሪካ ስርዓት ምስተቐየረ፡ ካልኦት እንድሕር መጺኦም እሞ ኣብቲ ናይ ቀደም እንተ ተመሊሶም፡ እታ ግርጭት ምስ ኤርትራ'ውን ናብ ናይ ቀዳማ ክትምለስ ተኽእሎታት ዓቢ'ዩ ማለት'ዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
