ስዑዲ ዓረብ፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ከተማታትን ትካላት ጸዓትን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ምላሽ ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, NASA WORLDVIEW/Handout via REUTERS
ብኢራን ዝድገፍ ናይ የመን ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጸዓትን ካልኦት በርጌሳውያን ትሕተ-ቅርጽታትን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድሮናትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ከም ዘካየደን፡ ብሰንኩ ድማ 73 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ገሊጾም።
እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንኣርባዕተ ደቡባዊ-ምዕራባውያን ከተማታት ከም ዝወቕዐን፡ ኣብ ትካላትን መሳለጥያታትን ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ብምውላዕ ናብ ግዝያዊ ምቍራጽ ስርሒታት ከም ዘምርሐን ሰራዊትን ምኒስትሪ ጸዓትን ስዑዲ ዓረብ ሓቢሮም።
ኣብ የመን ዝዋጋእ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን፡ ሓይልታቱ ነዚ "ሓደገኛ ምስፍሕፋሕ ግጭት" ምላሽ ክህብሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም እቲ መጥቃዕቲ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ንሳቶም ዝቈጻጸርዎ ሰሜናዊ-ምዕራብ የመን ኣብ ቀረባ ግዜ ንዘካየደቶ ዓሰርተታት ደብዳባት ሕነ ንምፍዳይ እተገብረ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጾም።
ንሳቶም ብሰኑይ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ከተማ ኣል-ሓዝም ንዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብምድብዳብ እንተ ወሓደ 11 ሰባት ቀቲላ ኢሎም ከሲሶም ነይሮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ 20 እሱራት ድማ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ተሓቢሩ ኣሎ።
ወሃብ ቃል ናይቲ ኣብ የመን ዝዋጋእ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን ሜጀር ጀነራል ቱርኪ ኣል-ማሊኪ፡ እቲ ናይ ሑቲ መጥቃዕትታት ድሮንን ሚሳይልን ኣብ ከተማታት ኣብሃ፡ ኻሚስ ሙሻይት፡ ጃዛንን ናጅራንን ኣብ ዝርከቡ በርጌሳውያንን ቍጠባውያንን ትካላት ዒላማ ከም ዝገበረን፡ ካብቶም ዝቘሰሉ ድማ ኣንስትን ቈልዑን ከም ዝርከብዎምን ገሊጹ።
መግለጺ ምኒስትሪ ጸዓት ንሓደ ወግዓዊ ምንጪ ብምጥቃስ ከም ዘረድኦ፡ "ሓያሎ ትካላትን መሳለጥያታትን ጽላት ጸዓት" ድሕሪ ምዕላሞም'ውን መጕዳእቲ ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕትታት "ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ባርዕ ሓዊ ብምውላዕ፡ ኣብ ገሊኦም ስርሒታት ናብ ግዝያዊ ምቍራጽ ኣምሪሑ" ክብል እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣል-ማሊኪ ነቲ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ "ነቲ ናይዚ ኣሸባሪ ዕጡቕ ጕጅለ ጸረ-ሰላምን ሓላፍነት ዘይስምዖን ኣካይዳ ዘረጋግጽ ሓደገኛ ምስፍሕፋሕ ግጭት" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን ድማ ነቲ ጕጅለ ንምዕጋት "ኵሉ ዘድሊ ስርሒታዊ ስጕምትታት ከም ዝወስድ" ተዛሪቡ።
ወሃብ ቃል ወተሃደራዊ ክንፊ ሑቲ ያሕያ ሳሪዕ ብወገኑ፡ ሰራዊት ስዑዲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣውራጃታት ማሪብ፡ ኣል-በይዳ፡ ሑደይዳ፡ ታዒዝን ጃውፍን ልዕሊ 120 ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ብምክያድ "ከበድቲ ገበናት" ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።
ንሱ ወሲኹ፡ ዕጡቓት ሑቲ ነዚ "ጭካነ ዝመልኦ ተጻብኦ" ብ"ዓሰርተታት ባሊስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን" ምላሽ ከም ዝሃብሉን፡ እዚ ድማ "ዓቢ ዕንወት" ከም ዘስዓበን ገሊጹ።
ኣብቲ ንልዕሊ ሓደ ዓሰርተ ዓመት እተኻየደ ኣዕናዊ ሓድሕድ ኲናት የመን፡ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ ኣንጻር ሑቲ ክዋጋእ ጸኒሑ እዩ።
ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይወግዓዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሓምለ ክፈርስ ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ድማ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ "ናይ ባሕሪ እገዳ" ከም ዝገበሩ ድሕሪ ምእዋጆምን ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ፡ ትካላት ነዳድን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከባ መራኽብ ጽዕነት ነዳድን ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕቲ ምፍጻም ድሕሪ ምጅማሮምን እዩ።
ዕጡቓት ሑቲ እዚ ስጕምቲ`ዚ፡ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ዝርከቡ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ንዘንበረቶ እገዳ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ንዝተኻየደን ንስዑዲ ተሓታቲት ዝገበርዋን ናይ ኣየር ደብዳብ ሕነ ንምፍዳይ እተገብረ ምዃኑ ገሊጾም።
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ዘራኽብ ስትራተጅያዊ መስመር ባብ ኤል-መንዳብ ንምቍጽጻር ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ሓይልታት የመን መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፍቱ፡ ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ብርቱዕ ውግእ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ውግእ ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝቐተለን ን18,500 ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ከም ዘፈናቐለን ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ንመስመር መጻብቦ ሆርሙዝ ብግብሪ ንኽዕጾ ብምግባሩ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንመጓዓዝያ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ ይርከብ።





![ቢን ሳልማን [ማእከል] ብየማኑ ኤርዶጋን፡ ብጸጋሙ ድማ ሸሪፍ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/7b12/live/e9429690-9998-11f1-870d-5d08c49babb2.jpg.webp)










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


