እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ
ንኤርትራ ንምድጋፍ ብትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ንድፊ ዕዮን ባጀትን ተቐባልነት ረኺቡ።
እቲ ብሰኑይ 7 መስከረም ብፈጻሚ ቦርድ ዩኒሴፍ ዝጸደቐ ሰነድ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ($63,220,000) ዝግመት ኰይኑ ኣብታ ትሑት እቶት ዘለዋ ሃገር ንዝርከብ ትካላትን ስርዓታትን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ጨንፈር ዩኒሴፍ ኣብ ኣስመራ ሓቢሩ።
ኣስታት 28 ሚልዮን ካብኡ ንትምህርቲ ዝውዕል ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 26 ሚልዮን ድማ ንድሕነትን ምዕባለን ቈልዑ ከምዝውዕል እቲ ሰነድ የመልክት።
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ልዑል ስግኣት ክሊማዊ ለውጢ ዘለወን ሃገራት ምዃና ዝገልጽ እቲ ትንተና፡ ቈልዑ ግዳያት ሳዕቤናት ናይቲ ክስተት ምዃኖም የረድእ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ደርቂ ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ኣብ ዝተረፈ ቦታታት'ውን ዝናብ ደንጒዩ ብምምጽኡ ስግኣት ኰይኑ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።
እታ 3.6 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘለዋ ዝተገልጸት ሃገር፡ 70% ካብ ህዝባ ብሕርሻ ዝናበር እዩ።
ዓለም ሓደገኛ ክስተት ኢል-ኒኖ ኣንጸላልዩዋ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ይዝከር።
ብመሰረት እቲ ሰነድ፡ "25% ኣብ ክሊ ዕድመ 4 ክሳብ 5 ዘለዎ ህጻናት ጥራይ'ዮም መባእታዊ ትምህርቲ" ዝረኽቡ። እዚ ማለት፡ እቶም 75% እቲ ዕድል ተሓሪምዎም ኣሎ። ኣብ ገለ ደረጃታት መባእታ ዝወሃብ ትምህርቲ ትሑት ምዃኑ'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ብሰንኪ ስእነት ግቡእ መግቢ ድማ 52.5 ትሕቲ 5 ዓመት ዝኾኑ ቈልዑ ኣካላዊ ዕብየቶም ተደሪቱ ('ስታንቲንግ ኣጋጢምዎም) ኣሎ።
"ኣስታት 190,000 ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ህጻናት ወይ ድሮ ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ ወይ ድማ ሓደጋ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም ኣሎ።
እቶም 20% ካብቶም ኣብቲ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ጥራይ'ዮም እቲ ዝተሓተ ቅቡል ደረጃ ኣመጋግባ ዝረኽቡ።
ዋላ'ኳ ተበጻሕነት ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ዝጠቅስ እንተኾነ፡ ኣስታት 96% ቈልዑ ኤርትራ ን"ልዑል" ሓደጋ ሕጽረት ማይ ዝተቓልዑ ምዃኖም'ውን ዩኒሴፍ ኣብ ሰነዱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ካብ 1991 ኣትሒዙ ሞት ዕሸላትን ትሕቲ 5 ዓመትን ህጻናትን ዓቢ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ዝገልጽ እቲ ትካል፡ ሕጂ'ውን ብዙሓት ግዳያት ይዀኑ ከምዘለዉ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።
ልዕሊ 10 ሚልዮን ካብኡ ብቐጥታ ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ኰይኑ እቲ ዝተረፈ ብለገስቲ ሃገራት ዝወሃብ ምዃኑ ይፍለጥ።
መንግስቲ ዝኽተሎ ኣንፈት ምዕባለ "ርእሰ-ምርኮሳ" ብዝብል መትከል ዝምእዘን ከምዝኾነ ዝገልጽ ዩኒሴፍ፡ "ምሕደራ ኤርትራ ምእኩል ኰይኑ፡ ፖሊሲ ናይ ምንዳፍን ኣገልግሎት ናይ ምሃብን ስልጣን ሓላፍነትን መንግስቲ እዩ" ይብል።
በዚ መሰረት፡ እቲ ትካል ምስቲ መንግስቲ ዝህልዎ ዝምድና ኣብኡ ዝተመርኮሰ ስለዝኾነ ናይ ኣንፈት ለውጢ ከምዘይገብር'ዩ ኣብቲ ንፈጻሚ ቦርድ ዘቕረቦ ሰነድ ኣሚቱ ዘሎ።
ኤርትራ በቲ ውሳነ ከምዝተሓጐሰት ኣምባሰደር እታ ሃገር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ።
"ኤርትራ፡ እቲ ሰነድ (ሲ-ፒ-ዲ) ምጽዳቚ ብሓጐስ ትቕበሎ፡ ምስ ዩኒሴፍ ሓያል፡ ዓሚቚን ኣብ ውጽኢት ዘድሃበን ሽርክነት ክትገብር ድማ ቅርብቲ እያ" ከምዝበለት እቲ ትካል ኣብ ኤክስ ጠቒሱ።
ኣብ 2005 ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ዓለምለኻውያን ዘይመንግስታውያን ውድባትን ማሕበራት ግብረሰናይን ብመንግስቲ ተደፊአን ድሕሪ ምውጽአን፡ ናይ ወጻኢ ደገፍ ብመንገዲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት'ዩ ዝወሃባ።