መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ኢራን ተገቲሮም ዘለዉ ሰለስተ ከበድቲ ኣማራጺታት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ምስ ኣመሪካ ኣብቲ ወሳኒ መስመር ባሕሪ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዓሰርተ መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ድሕሪ ምክያድ፡ መራሕቲ ኢራን ሰለስተ ኣማራጺታት ዘለዎም ይመስሉ።

ይዅን'ምበር፡ ካብዚኦ ሓደ እኳ ብንጹር መንገዲ ዘመልክት የሎን።

እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ፡ ዋሽንግተን ንእትሓትቶ ኣብዝሓ ጠለባት ምቕባል እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝካየድ መጥቃዕቲ ብምግታእ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ናጻን ውሑስን ምንቅስቓስ ምርግጋጽ፡ ነቲ ኢራን ዝዓቀበቶ ኣዝዩ ዝማዕበለ ወይ ዝበልጸገ ዩራንየም ምግዳፍ ወይ ምቕናስ፣ ከምኡ'ውን ብዓለምለኻዊ ተቘጻጻሪ ትካል ንንዩክለሳዊ ንጥፈታት ዝካየድ ጥቡቕ ፍተሻ ምቕባል ዘጠቓልል እዩ።

ቴህራን ከም ግብረ-መልሲ፡ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባታ ዘንበረቶ ዕጽዋ ባሕሪ ንኽለዓል፡ እገዳታት ንኽቃለልን ካብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ መከላኸሊ ንኽወሃባን ክትሓትት እያ።

እዚ ኣማራጺ እዚ ቍጠባዊ ክሳራኡ ውሑድ እኳ እንተዀነ፡ ፖለቲካዊ ዋጋኡ ግና ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

ኢራን ኣብቲ መስመር ባሕሪ ዘለዋ ግደ ከይተሓለወ ንሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት፡ ነቲ ኣብዚ እዋን ካብ ሚሳይላታን ካብቲ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሻርኽታን ንላዕሊ ሓያል "መከላኸሊ" ኰይኑ ዘገልግላ ንዘሎ ዓቕሚ ኢድ ምሃብ ማለት እዩ።

እታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ንፈለማ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ መሬታ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ቍጠባ ቅጽበታዊ ክሳራ ናይ ምስዓብ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ኣርእያ እያ።

ነቲ ንወርሓት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ስዒቡ ንንዩክለሳዊ ንጥፈታት ዝግበር ጥቡቕ ቀይዲ ምቕባል፡ እቶም ኣኽረርቲ ወገናት እቲ ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ጸቕጢ ውጽኢት ከም ዘምጽአ ንምጥቃስ መከራኸሪ ክዀኖም እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መደብ ሚሳይላታን ምስ ሕዝቦላህ፡ ሑቲን ካልኦት ጕጅለታትን ዘለዋ ርክብ ተወሳኺ ጠለባት ንኽቐርብ መንገዲ ክኸፍት ይኽእል እዩ።

እቲ ካልኣይ ኣማራጺ፡ ነቲ ኲናት ክዓርግ ምግባር እዩ።

ኢራን ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ኣመሪካ፡ መራኽብን ወሰንቲ ትሕተ-ቅርጽታት ሃገራት ዓረብን እተካይዶ መጥቃዕቲ ከተሐይሎ ትኽእል እያ።

እዚ ድማ ዋጋ ጸዓት ንኽውስኽን ዓለማዊ ዕንቅፋት ንኽፍጠርን ብምግባር፡ ዋሽንግተንን መሻርኽታን ንኽሰማምዑ ንምግዳድ ዝዓለመ እዩ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ስግኣት ዘለዎ ኰይኑ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ብቐጥታ ናብቲ ግጭት ብምስሓብ ኢራን ምስ ሰፊሕ ኪዳን ሃገራት ንኽትገጥም ከገድዳ ይኽእል እዩ።

እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ፡ ነቲ ዘሎ ዘይርግኣት ከም ዘለዎ ምቕጻል እዩ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መራኽብን ዕዳጋ ጸዓትን እዅል ጸቕጢ ብምግባር ከም መዛተዪ ምጥቃም፣ እንተዀነ፡ ምስ ኣመሪካ ናብ ምሉእ ብምሉእ ኲናት ዘየእቱ ክኸውን ኣለዎ።

እዚ ምስቲ ልሙድ ስትራተጅያዊ ኣተሓሳስባ ኢራን ዝሰማማዕ እዩ።

ኢራን ንሓደ ሓያል ጸላኢ ክትስዕሮ ግድን ኣይኰነን፤ ካብቲ ጸላኢ ንላዕሊ ንነዊሕ እዋን ተጻዊርካ ምጽናሕ ጥራይ ንባዕሉ ከም ዓወት ክውሰድ ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ እገዳታት፡ ጕድኣት ኲናትን ናህሪ ዋጋታት (ዝቕባበ)ን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘሎ ጸቕጢ እናኣብኣሶ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ከም መሳርሒ ኲናት ዝያዳ ብዝተጠቀመትሉ፡ ሃገራት ዓለም ካልእ ኣማራጺ መንገድታት ንምምጻእ ስለ ዝጽዕራ፡ እቲ መስመር ዘለዎ ሓይሊ እናደኸመ ክኸይድ ይኽእል እዩ።

ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ መሓመድ ባቐር ቓሊባፍ እውን፡ ዋጋ ሆርሙዝ ዝውስኽ ምንቅስቓስ መራኽብ ምስ ዝበዝሕ እምበር ምስ ዝውሕድ ከም ዘይኰነ ብምጥቃስ፡ ነዚ ሓሳብ ተቐቢልዎ እዩ።

መን እዩ ወሳኒ?

ነቲ ኵነታት ዝያዳ ዝሓላልኾ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ኣገባብ ኣወሃህባ ውሳነታት ንጹር ዘይኰነሉ ምኽንያት እዩ።

እቲ ኣብ ለካቲት ብመጥቃዕቲ ዝተቐትለ ኣያቶላ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታትን ሓለዋ ሰውራን ንዝፍጠር ዝለዓል ምስሕሓብ ዝፈትሕ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ወሳኒ ነይሩ።

ሕጂ ግና ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ መሪሕነት ወዱ ሞጅታባ ኻመኒ፡ እቲ ሚዛን ስልጣን ንጹር የሎን።

ፕረዚደንት መስዑድ ፐዘሽኪያን ምስ ዲፕሎማሰኛታቱ ኰይኑ፡ ነቲ ቍጠባዊ ጸቕጢ ንምፍኳስን ምርግጋእ ንምምጻእን ስምምዕ ክግበር ይደልዩ ይዀኑ።

በቲ ካልእ ወገን ግና ኣብ ባይቶን ትካላት ዜናን ዘለዉ ኣኽረርቲ ወገናት፡ ዝዀነ ይዅን ዓቢ ስምምዕ ነቲ እስላማዊት ስርዓት መሰረቱ ክንቀሎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

እቲ ዝዓበየ ሕቶ ግና ብዛዕባ ሓይልታት ምክልኻል፡ ብፍላይ ድማ ሓለዋ ሰውራ እዩ። መደብ ሚሳይላትን እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘሎ ስትራተጅን መሰረት ጽልዋ ናይቲ ጕጅለ እዩ።

ስለዚ፡ እቶም ኣዘዝቲ ሓይልታት ኣብቲ ዝግበር ዘተን ውሳነታትን ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ከም ዘለዎም ንጹር ኣይኰነን።

ኢራናውያን እንታይ ይብሉ?

እቲ መሪሕነት "ተጻዊርካ ምጽናሕ" ዝብሎ ዘሎ ሓሳብ፡ ምስቲ እቲ ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ከቢድ ናብራ ሕቘን ከብድን እዩ።

ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ሰነ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ደው ንምባልን ሆርሙዝ ንምኽፋትን ስምምዕ ፈሪመን ነይረን። እንተዀነ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሑቲ እቲ ውዕል ከም ዝፈረሰ ኣዊጁ።

ሓንቲ ኣብ ቴህራን እትርከብ ናይ 17 ዓመት ተመኵሮ ስራሕ ዘለዋ ዶክተር ሰበይቲ፡ እቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ትካል ንግዲ ወጻኢ ስለ ዝተዓጽወ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ስራሕ ኣልቦ ኰይና ከም ዘላ ትገልጽ።

"ዝዀነ ሰብ ሰራሕተኛ ኣይቈጽርን ዘሎ፣ ምኽንያቱ ጽባሕ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝፈልጥ የሎን፡" ትብል። ዝተሰማምዐ ዋጋታት፡ ምቍራጽ መብራህትን ማይን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ለይቲ ዝስማዕ ተዅሲ ነቲ ናብራ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝገበሮ ትገልጽ።

እዚ ተጻብኦ እዚ ብመጥቃዕቲ፡ ብዘተን ብግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲን ተሓላሊኹ ንኣዋርሕ ክቕጽል ይኽእል እዩ። እቲ ወሳኒ ሕቶ ግና፡ መራሕቲ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናብ ምሉእ ብምሉእ ኲናት ከይኣተዉ ከም መዛተዪ ክሳብ መዓስ ክጥቀምሉ ይኽእሉ ዝብል እዩ።